ርእይቶታት ነበርቲ መቐለ ኣብ ጉዳይ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ኢትዮጵያ

Your browser doesn’t support HTML5

ብረቡዕ ኣብ ፕሪቶሪያ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ውድብ ህወሓትን ድሕሪ ዝተፈረመ ስምምዕ ንዘላቒ ሰላምን ነባሪ ምቍራጽ ተጻብኦታትን ንገለ ነበርቲ ከተማ መቐለ ርእይቶታት ታቶም ሓቲትና ብዛዕባ’ቲ ዝተፈረመ ስምምዕ ዘለዎም ድጋፍ፡ ስክፍታን ምሕጽንታን ገሊጾም ኣለው።