ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ዝርከብ ታሪኻዊ ቦታ ሆቴል ኣብርሃ ካስትል ካብ ኢድ መንግስቲ ንትካል ትእምት ዝኾነ ሱር ኮንስትራክሽን ምሻጡ መዘራረቢ ዛዕባ ኮይኑ ኣሎ።
ኣብ ከተማ መቐለ ካብ ዝርከቡ ታሪኻዊ ቦታት ሓደ እዩ። እንዳ ደጃት ኣብርሃ (ኣብርሃ ካስትል)ይበሃል። እዚ ታሪኻዊ ቦታ ናብ ኢድ መንግስቲ ኣትዩ ኣገልግሎት ሆቴል እናሃበ ፀኒሑ።
ኣብ ቀረባ እዋን እቲ ሆቴል ግቡእ ክትትል ኣይግበረሉን ዘሎ ብዝብል ንውልቀ ሰብ ሃብቲ ንምሻጥ ጨረታ ወፂኡ ኣካል ትእምት ዝኾነ ሱር ኮንስትራክሽን ነቲ ጨረታ ስዒሩ ከምዝወነኖ ዝገልፅ ሓበሬታ ምውፅኡ ስዒቡ ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ።
ኣቦ መንበር ዓረና ትግራይ ኣይተ ኣብርሃ ደስታ "እዚ ታሪኻዊ ቦታ ሃብቲ ህዝቢ ብምዃኑ ህዝቢ እዩ ክውንኖ ዝግባእ" ይብሉ።
ኣብርሃ ካስትል ንትእምት ምሻጥ እውን ትኽክል እዩ ኢሎም ከምዘየኣምኑ እዮም ተዛሪቦም።
ሆተል ኣብርሃ ካስትል ኣብ ትሕቲ ትካል ሆቴላት ግዮን ኮይኑ ብመንግስቲ ፌደራል ናተመሓደረ ዝፀንሐ ኮይኑ ካበ ቅድሚ 5 ዓመታት ጀሚሩ ድማ ኣብ ትሕቲ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ኮይኑ እናተመሓደረ እዩ ፀኒሑ።
ሓላፊት ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ወይዘሮ ብርኽቲ ገብረመድህን እቲ ሆቴል በቲ ዝድለ መንገዲ ክለምዕ ብዘይ ምኽኣሉ እዩ ካብ ኢድ መንግስቲ ክወፅእ ዝተገበረ ኢለን።
ቅድሚ ሐዚ ዝተኻየዱ ክልተ ግዘ ጨረታታት ሰብ ውልቀ ሃብቲ ተዓዊቶምሉ ዝነበረ ንምንታይ እዩ ተሰሪዙ ኢልና ሓቲትናየን " እቲ ቐሪቡ ዝነበረ ዋጋ ብምንኣሱን ካልኦት ክማልኡ ዝግበኦም ረቛሒታት ብዘይምምልኦም እዩ" ኢለን።
ንትእምት እቲ ትካል ንምሻጥ ፖለቲካዊ ውሳነ እዩ ዝብል ይለዓልዩ ኢልና ድማ ሓቲትናየን። እቲ ብኣሰራርሓ ከይዲ ጨረታ ዝተፈፀመ እምበር ፖለቲካዊ ኣይኮነን ኢለን።
እቲ ካብ መሸጣ ዝተረኸበ 175 ሚሊዮን ብር ናብ መንግስቲ ትግራይ ኣታዊ ምዃኑ ተገሊፁ እዩ።
ነቲ ሆቴል ዝዓደገ ትካል ሱር ኮንስትራክሽን ኣካያዲ ስራሕ ዝኾኑ ኣይተ ታደሰ የማነ ብቐፃሊ ትካሎም ዝሓዞ ትልሚ ክገልፁልና ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰመረን።
ኣብ ናይ ውልቀኦም ፌስቡክ ገፅ ዘስፈርዎ ፅሑፍ ከምዘመላኽቶ "ኣብቲ ታሪኻዊ ሆቴል ዝስርሑ ስራሕቲ በብደረጅኡ ህዝቢ እናዘተየሎም ዝስርሑ እዮም" ኢሎም፡፡
እቲ ነባር ታሪኻዊ ሆቴል ከምዘይፈርስን እቲ ዝሕሰብ ሓዱሽ ልምዓትውን ነቲ ነባር ታሪኻዊ ህንፃ ብዘጉልህ መንገዲ ከምዝህነፅ ኣረጋጊፆም።
Your browser doesn’t support HTML5