ርእይቶ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ኣብ መግለጺ ቀ/ሚ ነታንያሁ

Teklit Kesete and Teklit Michael

ዘ ታይምስ ኦፍ እስራኤል ዝተባህለ ጋዜጣ ኣብ ናይ ጥቅምቲ 2,2019 ሕታሙ ቀ/ሚ እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ናብ ሃገሮም ኣብ ምምላስ ንምትሕብባር ምስ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ምዝርራቦም ዝገልጽ ጸብጻብ ኣውጺኡ ኔሩ። እቲ ጋዜጣ ኣብቲ ጸብጻብ ቀ/ሚ ነታንያሁ ነዚ ጉዳይ ንሓንቲ አባል ፓርላም ፓርቲ ሉኩድ ክዛረቡ ዘርእይ ቪድዮ’ውን ሓቢሩ ኣውጺኡ’ሎ።

Your browser doesn’t support HTML5

ርእይቶ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ኣብ መግለጺ ቀ/ሚ ነታንያሁ

ድምጺ ኣሜሪካ ነዚ ጉዳይ ንምጽራይ ኣብ ዘካየዶ ጻዕርታት ምንጭታት ካብ ቤት ጽሕፈት ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ዝተኻየደ ርኽብ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ እስራኤል እዚ ጉዳይ ከምዘይተላዕለ ሓቢሮም ኣለው።

ነዚ ብዝምልከትን ንኩነታት እቶም ስደተኛታት ኣብ እስራኤልን ንምጽራይ ንዝሓለፈ ኣስታት 8 ዓመታት ኣብ እስራኤል ዝነበረን ኣብ ማእከል ምዕባለ ስደተኛታት ኣፍሪቃ(ARDC) ከም አተሓባባሪ ኾይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ተክሊት ተከስተ ኣዘራሪበዮ ኣለኹ።

ብተመሳሳሊ ንዝሓለፈ 9 ዓመታት ኣብ እስራኤል ዝነበረ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣሜሪካ ዝርከብ ተክሊት ሚካኤል ብወገኑ ርእይትኡ ሂቡ’ሎ።

ብመሰረት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝወጸ ጸብጻብ ኣስታት 24,000 ኤርትራዊያን ከሙ’ውን ኣስታት 8.,000 ሱዳናዊያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ኣብ እስራኤል ይነብሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ርእይቶ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ኣብ መግለጺ ቀ/ሚ ነታንያሁ