ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሰስ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተጀመረ መስርሕ ሰላም ንኢዶም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሰስ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተጀመረ መስርሕ ሰላም “ጽቡቕ ዜና’ዩ” ክብሉ ንኢዶም።

Your browser doesn’t support HTML5

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሰስ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተጀመረ መስርሕ ሰላም ምዒዶም

ንሶም ትማሊ ሰንበት ኣብ ሴንት ፒተርስ አደባባይ ንዝተአኸቡ ተኸተልቲ እምነት ካቶሊክ ኣብ ዘስምዕዎ መደረን ጸሎትን “ ኣብ መንጎ ብዙሕ ግጭታት፡ ከምዚ ዝበለ ታሪኻዊ ተበግሶ ምርቑሑ ሓላፍነት ኹሉ’ዪ” ኢሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሰስ ድሕሪ 20 ዓመታት መንግስታት “ንሰላም ክዘራረቡ ንክልቲኣን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮነ ንመላእ ኣፍሪቃ ናይ ተስፋ ብርሃን ዝህብ’ዩ” ኢሎም።

ጉጅለ ልኡኽ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኤርትራ ዝሓለፈ ሰሙን አዲስ አበባ ምብጽሑ ዝፍለጥ ኮይኑ ከም ውጽኢቱ ድማ መራሕቲ ክልቲኣን ሃገራት ኣብ ቀረባ ጊዜ ተራኺቦም ከምዝዘራረቡ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ምፍላጦም ይዝከር።