ንኤርትራ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ 11 ሃገራት ዝተነበረ እገዳ መገሻ ናብ ኣሜሪካ

  • በትረ ስልጣን

ኣብ ናይ ትማሊ ቀዳማይ ክፋል መደብና ‘ንኤርትራ ሓዊሱ 11 ሃገራት ‘ፕሮቶኮል ምሕደራ መስርሕ ምልላይ ገያሾ ንክካየድ ዘይፈቐዳ ሃገራት፣ ሃገራዊ ድሕነት ዩ-ስ ዝጠልቦ ቅድመ ኩነት ሓበሬታ ብዛዕባ ግብረ ሽበራ፣ ገበንን ካልኦትን ንሃገራዊ ድሕነት ዝጸልው ሓበሬታን ድሕረ ባይታን መንነትን ክልግሳ ቅሩባት ዘይኮና ዝተባሃላ 11 ሃገራት እገዳ መገሻ ቀዋሚ መንበሪ ኣሜሪካ (ኢምግራንት ቪዛ) ተነቢሩወን ኣሎ። እዚ ክልከላ መገሻ ንቀወምቲ ነበርቲ ናብ ኣሜሪካ ስለምንታይ ምትእትታውን ምትግባርን ኣድለየ? መን’ከ’ዩ ተለኪሙ? ዝብሉን ካልኦትን ሕጋዊ ንኢምግረሽን ዝምልከቱ ሕቶታት ኣልዒልና ምስ ሰብ ሞያ ሕጊ ኢምግረሽን ዝጀመርናዮ ፍሉይ መደብ ሎሚ ክንዛዝሞ። በትረ ስልጣን ንኣቶ ኣማሃ ሃብተማርያም ኣዝራሪብዎ ኣሎ፣

ኣብ ዘረባና ‘ዮናታን ገብመስቀል ደብርጽዮን ዝተበሃልኩ ኤርትራዊ ዜግነት ዘለኒን ኣብ ኣስመራ ተወሊደ ዝዓበኹን ኮይነ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ዲቪ ሎተሪ በጺሑኒ ግቡእ ናይ ስደተኛ ወረቐተይ ኣማሊአ ኣብ ሃገረ ኢትዮጵያ ዝነብር ዘለኹ ስደተኛ እየ። ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ጌርና ኣይኮናን ናይ መንበሪ ፍቃድ ሓቲትና ዘሎና: ናይ ስደተኛ TRAVEL DOCUMENT ኢና ንጥቀም ዘሎና። እሞ ናተይን ናይዞም ከምዚ ናተይ ጉዳይ ዘለዎምን ኤርትራውያን ጉዳይ ብከምይ እዩ ክተሓዝ?’ ዝብል ሕቶ ልኢኹልና ኣሎ። ንባዓል ሞያ ሕጊ ኢምግረሽን ኣቶ ኣማሃ ሃብተማርያም ተወኪስና ዝረኸብናዮ መልሲ ‘እቲ ሓድሽ ሕጊ እገዳ መገሻ፣ ብዛዕባ’ዚ ሕቶ’ዚ ሙሉእን ንጹርን መብርሂ ኣይሓዘን። ንጊዚኡ ኤምባሲ ኣሜሪካ ንዝህበኩም መምርሒ ተኸታተሉ’ ዝብል ኮይኑ ኣሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ሞያዊ መብርሂ ሓድሽ እገዳ ጉዕዞ ኣሜሪካ

ካልኣይ ክፋል መብርሂ ሰብ ሞያ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ሞያዊ መብርሂ ሓድሽ እገዳ ጉዕዞ ኣሜሪካ