ሞት ተማሃሮ ሰልፈኛታት ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ሱዳን ተቓውሞ ቀጺሉ'ሎ

Your browser doesn’t support HTML5

ሞት ተማሃሮ ሰልፈኛታት ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ሱዳን ተቓውሞ ቀጺሉ'ሎ

ተቓወምቲ ሱዳን ወታሃደራዊ ሓይልታት እታ ሃገር ኣብ ከተማ ኣል ኦቢድ ዝተኻየደ ተቓውሞ ኣርባዕተ ተማሃሮ ምቕታሎም ይገልጹ ኣለው።

ነዚ ስዒቡ ተቓውሞ ኣብ ሃገረ ሱዳን ቀጺሉ’ሎ። ቀንዲ ሰልፈኛታት እዚ ኣብ ሱዳን ዝኻየድ ዘሎ ዳሕረዋይ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተማሃሮ እዮም። ንቕትለት ኣብ ከተማ ኦቢድ ዝሞቱ ተማሃሮ ድማ ብትሪ ይኹንኑ።

መራሕቲ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ’ታ ሃገር ኣብ ቕትለት ሰልፈኛታት ዝካየድ ምርመራ ጣልቃ ከምዘይኣትው ይሕብሩ ኣለው ።

ይኹን ደአ እምበር ወታሃደራዊ መሪሕነት ሱዳን ኣብያተ ትምህርቲ’ታ ሃገር ንዘይተወሰነ ጊዜ ክዕጸዋ ግን ወሲኑ’ሎ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ምርመራ ቕትለት ተቓውሞ ሰልፈኛታት ብቅልጡፍ ክካየድ ጸዊዑ’ሎ።

ገለ አባላት ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ግን ሰልፈኛታት ከተማ ኣል ኦቢድ ኣብ ስርቒ ተዋፊሮም ከምዝነበሩ ይሕብሩ ኣለው።