ምጭዋይ ተማሃሮ ደምቢደሎ ዩኒቨርሲቲ ብምቕዋም ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ኣምሓራንን ዋሽንግተን ዲሲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተኻይዱ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝተጨወዩ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ደምቢደሎ እኹል ትኹረት ኣይሃበን ክብሉ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ክልል ኣምሓራን ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ አካይዶም።

እቶም ሰልፈኛታት መንግስቲ ነቶም ዝተጨውዩ ነፃ ክወፁ ግቡእ ስጉምቲ ኣይወሰደን ንሃለዋቶም ብዝምልከት ንጹር ሓበሬታ ኣይህብን ዘሎ ኢሎም።

ሸልፈኛታት ካብ ክልል ኣምሓራ ከተማታት ባህርዳር፣ወልዲያ፣ደብረማርቆስ፣ፍኖተ ሰላም፣ደጀን፣ዳንግላን ካልኦትን ድምፆም ከምዘስምዑ ተፈሊጡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ምጭዋይ ተማሃሮ ደምቢደሎ ዩኒቨርሲቲ ብምቕዋም ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ኣምሓራንን ዋሽንግተን ዲሲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተኻይዱ