ምዕራብ ኦሞ፡ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ሰልፊ ኣብ ዘካይዱ ነበርቲ ብዝተኾስዎ ጥይት 6 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ

ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ምዕራብ ኦሞ ንማእሰርቲ ምኽትል ኣምሓዳሪን ሓላፊ ፀጥታን ወረዳ ማጂ ብምቅዋም ሎሚ ዓርቢ ኣደባባይ ኣብ ልዕሊ ዝወፀ ሰባት ብሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ተተኲሱ ብዝተባህለ ጥይት ሽዱሽተ ሰባት ከምዝተቐተሉን ካልኦት ዝቖሰሉ ኣርባዕተ ሰባት ድማ ኣብ ክትትል ሕክምና ከምዘለውን ሓላፊ ጥዕና ናይቲ ወረዳን ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሚልሻ ናይቲ ወረዳ ብወገኑ 12 ሰባት ምቑሳሎምን ሓንቲ ጓል ኣንስተይትን ሓደ ወዲተባዕታይን ምሟቶምን ኣረጋጊፆም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጥዕና ናይቲ ወረዳ ኣቶ ከበደ ኣኩ ኣብ ዋና ከተማ ቱም ብዝተላዕለ ግጭት ሰባት ከምዝተቐትሉ ገሊፆም።

“ሎሚ ንጉሆ ኣብ ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ ብፍሉይ ሓይልን ምክልኻልን ብዝተተኮሰ ጥይት ኣርባዕተ ሰባት ሞይቶም ኣለው።ዝተቐተሉ ከኣ ኣስታት ሽዱሽተ ሰባት እዮም፤ሬስኦም ክሳብ ሕጂ ኣይተልዓለን፤ኣብኡ እዩ ዘሎ።”

ነበርቲ እታ ከተማ ነታ ወረዳ ዓብዪ ኣበርኽቶ ዝገበረ ዝበሉዎ ምኽትል ኣመሓዳሪን ሓላፊ ፀጥታን እታ ወረዳ ኣቶ ጨሞ ከያ ካብ መዝነቶም ወሪዶም ምእሳሮም ብምቅዋምን ክፍትሑ ብምሕታትን ሰልፊ ምውፅኦም ሽሞም ክገለፀሎም ዘይደለዩ ነበርቲ ገሊፆም።

ሓይልታት ፀጥታ ብዘይ ዝኾነ ይኹን መጠንቀቕታ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ቶኽሲ ከምዝኸፈቱ እቲ ናይ ዓይኒ ምስክር ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፁ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሚሊሻ እታ ወረዳ ሰለሞን መኮነን 12 ሰባት ምቑሳሎምን ካብኦም ሓንቲ ጓል ኣንስተይትን ሓደ ወዲተባዕታይን ከምዝሞቱ ኣረጋጊፆም።

እቲ ዞባ ምስ ምክልኻልን ፍሉይ ሓይልን ብምዃን ንምርግጋእ ኣብ ምርብራብ ከምዝርከብ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብቲ ሃዋሳ ሓቢሩ’ሎ።