ዋሽንግተን —
ቀረባት ክታበት ኮቪድ 19 እናወሰኸ ይከይድ ብምህላዉ፡ ቁጠባ ዓለም ናብ ዕብየት ገጹ ይእንፍት ኣሎ ክብል ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF) ኣፍሊጡ።
እቲ ትካል ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ ትንበያ ቁጠባ ዓለም ብልዕሊ 5% ክዓቢ`ዩ ኢሉ።
ዓለማዊ ማዕከን ገንዘብ ክታበት ቫይረስኮሮና ንዝርግሐ`ቲ ቫይረስ ክዓግቶ ስለዝኾነ መንግስታት`ውን ኣብ ምዕጻው ዘሎ ኣካይድኦም ከፍኩሱ ከኽእሎም`ዩ ይብል።
ብመሰረት ሓበሬታ'ቲ ትካል ቁጠባ ኣመሪካ ኣብ 2020 ብ3.4% ወሪዱ ድሕሪ ምጽናሕ ሕጂ ግን ምስቲ ፕረዚደንት ባይደን ዝበሎ ናይ 1.9 ትሪልየን ዶላር ድጎማ ተደሚሩ- እቲ ቁጠባ ኣብዘን ዝቕጽላ ሰለስተ ዓመታት ብልዕሊ 5% ክዓቢ`ዩ።ቁጠባ ኤውሮጳ`ውን ብ7.2% ተሸምሪሩ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ ዓመት`ዚ ብ 4.2% ክትንስእ`ዩ።
ኣብ ምክልኻል ለበዳ ቫይረስኮሮና ዝውሰድ ዘሎ ናይ ክታበት ኣወንታዊ ተርእዮታት ኣብ ግምት ብምእታው ህንዲ ካብ ዝኾነት ሃገር ንላዕሊ ቁጠባኣ ብ 11.5 % ክዓቢ`ዩ ዝበለ ማዕከን ገንዘብ ዓለም፡ ኣህጉራዊ ንግዲ`ውን ብ9.6 % ወሪዱ ድሕሪ ምጽናሕ- ብ8.1% ክትንስእ`ዩ ኢሉ`ሎ።