ምኽትል ኤታ-ማጆር ሹም ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኩነታት ጸጥታ`ታ ሃገር ንቪኦኤ ተዛሪቡ

ኣብ`ዚ ሰሙን`ዚ ኣብ ፓርላማ ቀሪቡ ብዛዕባ ኩነታት ጸጥታ መብርሂ ዝሃበ ምኽትል ጠቕላሊ ወታሃደራዊ ስታፍ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ፡ ሎሚ ድማ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ቃለ-መጠይቕ ኣብ ዝካየደሉ እዋን፡ ብዛዕባ ብዕጡቓት ኦነግ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ዝተኻየደ መጥቃዕትን፡ ብሓይልታት ምክልኻል ዝተወስደ ስጉምትን፡ ከምኡ ድማ ብዛዕባ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን፡ ኣተሓሕዛ ግጭታትን ተሓቲቱ መሊሱ`ሎ።

ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ፡ ህዝቢ ዘበሳብሱ ዝነበሩ ዕጡቓት፡ ሰራዊት ምክልኻል ብዝወሰዶ ስጉምቲ ዝተታሓዙን ናብ ጫካ ዝሃድሙን ኣለዉ ዝበለ ጀነራል ብርሃኑ፡ ኣብ ንግዲ-ኣጽዋር ተዋፊሮም ዝነበሩ ሒዝና ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘእተናዮም ብዙሓት ኣለዉ ኢሉ። ብዛዕባ መንነት`ቶም ዝተታሕዙ ግን ንፈደራል ፖሊስ ዝምልከት ሕቶ`ዩ ኢሉ። ንምዃኑ ዘይ-ሕጋዊ ኣጽዋራት ንምቁጽጻር ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ እንታይ ይመስል ንዝብል ሕቶ ክምልስ ከሎ ድማ ከምዚ ይብል።

“ሕጂ ንግዚኡ ዝስራሕ ዘሎ ዘይሕጋዊ ዝውውር ብረት ኣብ ዝተረኽብሉ ምሓዝን ኣብ መውጽኢን መእተዊን ዶባት ክትትል ምግባርን ኣብ ማእከል ሃገር ኣብ ዘለው ዘይሕጋዊ መፈተሺ ኑቑጣታት ናይ ምቁጽጻር ስራሕ’ዩ ዘሎ።”

ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ኣተሓሒዙ፡ ኣብ ገለ ኽፋላት ምዕራባዊ ኦሮሚያ፡ ሰራዊት ምክልኻል ስጉምቲ ብምውሳድ ነቲ ኩነታት ከምዝረጋጋእ ከም ዝገበረ ብምግላጽ፡ ዓይነት ናይቲ ስጉምቲ ይገልጽ፡

“ሰራዊት ምክልኻል ዝወሰዶ ስጉምቲ ቀዳማይ መንገዲ ምኽፋት ካልኣይ ከተማታት ስርሓን ንክሰርሓ ምግባር’ዩ። ብዙሓት ዕጡቓት ተታሒዞም’ዮም፡ አድብዮም ናብ ምክልካል ዝተኾሱ ድማ ስጉምቲ ተወሲድሎም’ዩ። ምስ ሓይልታት ምክኻል ፊት ንፊት ክገጥምሉ ዝኽእሉ ዓቕሚ ኾነ ብቕዓት የብሎምን።። ንሕና ነቶም ሃዲሞም ናብ ጫላ ዝኣተው’ውን ናይ ምቕታል ዕላማ የብልናን።”

ኣስዒቡ፡ እኳ ድኣስ በቲ ሒዞሞ ዘለዉ መንገዲ ዝዕወት ነገር ከምዘየለ ተገንዚቦም ብልዕልና ሕጊ ተማእዚዞም ናብ ሰለማዊ ናብራ ክምለሱ ኢና ንጽዕር ዘለና ኢሉ።

ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ሰላማውያን ሰባት ቀቲሉ ዝብል ስምዕታ ካብ ኦነግ ቀሪብዎ`ሎ፡ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም`ውን ተቐቲሎምና ዝበሉ ኣለው። ጀነራል ብርሃኑ ግን ኣብ ልዕሊ ሸፋቱ`ምበር ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰብ ዝወስድናዮ ስጉምቲ የለን ብምባል ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ኣብ ኣምሓራን እቲ ሰራዊት ዝተኸተሎ ኣተሓሕዛ ብዝምልከት ክምልስ ከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ብረት ዘይዓጠቑን ዘይተኮሱን መንእሰያት ትግራይ፡ መኻይን ዓጺኹምና ኢልና ስጉምቲ ኣይንወስድን ኢሉ። ኣብ ኣምሓራን ኦሮሚያን እንኽተሎ`ውን ሓደ ዓይነት`ዩ ኢሉ።

“ ኣብ ልዕሊ እዞም መንእሰያት ተኹሱ ድዩ ዝበሃል ዘሎ ንመንእሰያት ክንጭፍጭፍ? ናብኦም ተኹስካ ንዕኦም ረጊጽካ ካብ ምሕላፍ ንዕኦም ኣእሚንካ ምሕላፍ ይምረጽ። ኣብ ክልል ኣምሓራ’ውን ብኸምኡ መልክዕ ንሰራዊት ደው ዘበለ የለን እምበር እንተዝነብር ኣይንወቕዖን ኢና። ስለዚ ኣብ ኣምሓራ ኾነ ኦሮምያ ዝተቐትለ ሽፍታ እምበር ሰላማዊ ሰብ የለን። ኣብ ትግራይ’ውን ተኹሲ ዝኸፍት እንተሃልዩ ስጉምቲ ክውሰደሉ’ዩ።”

እቲ ወተሃደራዊ ሓላፊ ኣብ መወዳእታ፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ኣብ ዝሓየለ ደረጃ ከምዘሎን፡ ጥንካሪኡ ዝምዘን ድማ ብድጋፍ ህዝቢ ምዃኑ ክብል ብምግላጽ፡ እቲ ሕጂ ዘሎ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብሓዲሽ መልክዕ ዝቖመ ምዃኑ ሓቢሩ።

ምሉእ ትሕዝትኡ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ምኽትል ኤታ-ማጆር ሹም ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኩነታት ጸጥታ`ታ ሃገር ንቪኦኤ ተዛሪቡ