ምንፃል ሃይማኖታት ትግራይ፤ ድፍኢትን ብድሆታትን

  • ገብረ ገብረመድህን

Your browser doesn’t support HTML5

ምንፃል ሃይማኖታት ትግራይ፤ ድፍኢትን ብድሆታትን

ንምፍንጫል ሃይማኖታት ክልል ትግራይ ካብ ናይ ኢትዮጵያ ብዝምልከት፡ ኣብዚ ጉዳይ ከብርሁልና ንሊቀ-ካህናት ሙሴ በርሀ ካብ ካሊፎርኒያ -ኣመሪካን ፕሮፈሰር ጌታቸው ኣሰፋ ካብ ካናዳን ዓዲምና ኣሎና።

ካብ ዝምልከቶም ሃይማኖታውያን ትካላት ኢትዮጵያ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪትና ግብረ-መልሲ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰለጠን። ቅድሚ ሕጂ ግን ቤት ምኽሪ እስላማዊ ጉዳያት ናይ ክልል ትግራይ ከም ዝተፈልዩ ድሕሪ ምእዋጆም “ሓንቲ ኢትዮጵያ፡ ትግራይ ድማ ኣካል ኢትዮጵያ ምዃኑ ኢና ንኣምን፡ ንኸምዚ ዝመስል ምፍንጫል ከኣ ኣፍልጦ ኣይንህቦን ኢና፡” ኢሎም ነይሮም።