'ምትእትታው ኣመሪካ' ንዝበልዎ ብምቕዋም ዝተኻየደ ሰልፊ ኤርትራዊያንን ኢትዮጵያዊያንን

  • ዜና ቪኦኤ
    ተወልደ ወልደገብረኤል


ትማሊ ሰንበት ኣብ ልዕሊ 20 ከተማታት ዓለም፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን "ምትእትታው ኣመሪካ" ዝበልዎ ዝቃወም ሰልፍታት ከካይዱ ውዒሎም። ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ኣብ ኣፍደገ ቤተ-መንግስቲ ዋይት ሃዋስ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ትገብሮ`ላ ዝበልዎ ዘይግባእ ተጽዕኖ ደው ክተብል፡ ከምኡ ንሓደ ወገን ዘዳሉ ዝበልዎ መርገጺኣ ክትቅይር ዝጽውዕ`ዩ ኔሩ።

ብዛዕባ`ዚ ክሲ ቅድሚ ሎሚ ዝተዛረበት ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣመሪካ ሊንዳ ግሪንፊልድ፡ ብኹሎም ወገናት ዝፍጸሙ ናይ ሓይሊ ስጉምትታት ንኹንን ኢና፡ ህወሓት`ውን ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ክወጽእ ኣለዎ ብምባል ነቲ ኣመሪካ ተዳሉ`ያ ዝብል ክሲ ኣሉታ ሂባትሉ`ያ።

ይኹን`ምበር ትማሊ ሰልፊ ዝወዓሉን ንድምጺ ኣመሪካ ዝተዛረቡ ግን፡ በቲ ኣመሪካ ትኽተሎ ዘላ ሕጉሳት ኣይኮኑን።ሓንቲ ካብ መንጎ`ቶም ሰልፈኛታት ሃና ኣማኑኤል "ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሽግር መፍትሒኡ ኣብ ኢድ ኢትዮጵያውያን ጥራሕ`ዩ' ትብል ።

ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ኣመሪካ፡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን 'ኖ ሞር' ማለት 'ዝሓለፈ ይኣክል' ዝብል መሪሕ ቃል ሒዞም`ዮም ድምጾም ከስምዑ ውዒሎም።

ኣብ ከተማ ለንደን ብሪጣንያ፡ ካናዳ: እስራኤል: ደቡብ ኣፍሪቃን ካልኦት ብርክት ዝበላ ከተማታትን ተመሳሳሊ ሰልፍታት ተኻይዱ ኔሩ`ዩ።

ብዛዕባ`ቲ ኣመሪካ ንህወሓት ተዳሉ`ያ ዝብል መልሲ ዝሃበ ፍሉይ ልኡኽ ምምሕዳር ኣመሪካ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍሪ ፈልትማን ብወገኑ ኣቐድም ኣቢሉ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ኔሩ።

"ሓደ ሓደ ነቐፍቲ ፖሊሲ ኣመሪካ፡ ንህወሓት ተዳልዉ ኢኹም ይብሉና`ዮም፡ እዚ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ`ዩ፡ ህወሓት ነቲ ኩናት ካብ ትግራይ ወጻኢ ምስፍሕፍሑ ብተደጋጋሚ ኾኒናዮ ኢና። ሕጂ`ውን ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ክወጽእ ነተሓሳስብ ኣለና" ኢሉ።

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብሊንከን`ውን፡ ኣመሪካ፡ ኩሎም ተጻባእቲ ወገናት ብዘይ ቅድመ ኩነት ንምቁራጽ ተጻብኦታት ክሰማምዑ ትደፍእ ምህላዋ ገሊጹ ኔሩ`ዩ።