ሜክሲኮ ብኣመሪካ ክድለ ዝጸንሐ ውልቀሰብ ብምርካባ ናዕቢ ተላዒሉ

  • ዜና ቪኦኤ

በቲ ናዕቢ ኣብ ዶብ ኣመሪካን ሜክሲኮን ዝነደደት መኪና

ብኣመሪካ ክደሊ ዝጸንሐ፡ መራሒ ጭፍራ ገበነኛታት (gang) ሁዋን ገራርዶ ትረቪኞ (Juan Gerardo Treviño)፡ ሜክሲኮ ንኣመሪካ ብምስላማ ናዕቢ ተፈጢሩ። እቲ ክድለ ዝጸንሐ መራሒ ጉጅለ ብሰኑይ ተኣሲሩ፡ ትማሊ ሰሉስ ናብ ኣኽበርቲ ጸጥታ ኣመሪካ ድሕሪ ምርካቡ፡ ንመተሓላለፊ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ንምዕጻው ዘገደደ ምልውዋጥ ተዅሲን ንቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ሜክሲኮ ዒላማ ዝገበረን መጥቃዕቲ ምፍጣሩ ተፈሊጡ። እቲ መጥቃዕቲ ብደገፍቲን ሰዓብቲን እቲ መራሒ ጉጅለ ዝተበገሰ’ዩ።

ሜክሲኮ ነቲ ጥርጡር ንኣመሪካ ዘረከበትሉ ምኽንያት ናይ ኣመሪካ እምበር ናይ ሜክሲኮ ዜግነት ከም ዘይብሉ ድሕሪ ምምልካት’ዩ። “ሰራዊት ገሃነም” ("The Troops of Hell”) ንዝብል ኣዝዩ ሓደገኛ ጕጅለ ይመርሕ ምንባሩ ዝጥቀስ ትራቪኞ፡ ብቤት ፍርዲ ኣመሪካ ብምስግጋር ዕጸ-ፋርን ገንዘብን’ዩ ክደለ ጸኒሑ።