ማሕበር ተጋሩ ንሰላምን ተሃድሶን ኢትዮጵያ ሓገዝ የባጽሕ፣ ይጽውዕ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝተጣየሰ “ማሕበር ተጋሩ ንሰላምን ተሃድሶን ኢትዮጵያ፡” ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ሽረ ንዘለው ተመዛበልቲ ናይ 1.5 ሚሊዮን ብር ሓገዝ ከም ዘበርከተ ይገልፅ። እዚ ማሕበር ዘይመንግስታዊ ትካላት ውሽጢ ዓድን ወፃእን ከምኡ እውን ካብ ሰብ ሃብቲ ገንዘብ እናኣከበ ንተመዛበልትን ኣብ ከቢድ ፀገም ንዘለዉን ንምሕጋዝ ይሰርሕ ከም ዘሎ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ማሕበር ኣቶ ሓጎስ ጊደይ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም።