ሚዛን ስልጣን ኮንግረስ ኣመሪካ ገና ኣይተፈልጠን

  • ዜና ቪኦኤ

ድሕሪ ሰሉስ ዝተካየደ ሃገራዊ ምርጫ ኣሜሪካ፣ ንኣብያተ ምኽሪ መን ተቆጻጺርዎ ዝብል ሕቶ ክሳብ ሎሚ ንጹር ኣይኮነን ዘሎ።

ገለ ወገናት፣ ሪፐብሊካዊያን ክዕወቱ’ዮም ኢሎም ተጸብዮም ነይሮም ዝኾነሎም ግና ኣይመስልን። ዴሞክራሲያዊያን፣ ብጸቢብ ብልጫ’ውን እንተኾነ ስልጣኖም ዘቅጽሉ ይመስሉ።

እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ንጆርጅያ ዝውክል ሴነተር ንምምራጽ ኣብ ሞንጎ ዋንሮክን ዎከርን ዛዛሚ ምርጫ ክሳብ ዝካየድ ሚዛን ስልጣን ክሳብ ሻድሻይ መዓልቲ ዝመጽእ ወርሒ ንጹር ኣይክኸውንን እዩ። ።