ሚንስትራት ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ፡ኢትዮጵያን ሱዳንን ምስ ፕረ. ትራምፕ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም

ሚንስትራት ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ፡ኢትዮጵያን ሱዳንን ሎሚ ረቡዕ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ምስ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራሞፕ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም።

ፕረዚደንት ትራምፕ ቅድሚ ቁሩብ ሰዓታት ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ “ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝህነጽ ዘሎ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ዝኾነ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ዙርያ ዘሎ ግርጭት መፍትሒ ንምንዳይ ምስ ላዕለዎት ተወከልቲ ግብጺ፡ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝተኻየደ ርኽብ ዛዚምና ኣለና። እቲ ርኽብ ዕውት እዩ ኔሩ ዘተ ጽባሕ’ውን ክቕጽል’ዩ” ኢሎም።

እቲ ኣብ መንጎ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ፡ግብጺን ሱዳንን ዝካየድ ልዝብ ብናይ ፕረዚደንት ትራሞፕ ጻውዒት ዝካየድ ዘሎ ክከውን ከሎ ብመሪሕነት ሚንስትር ገንዘብ ኣሜሪካ ስቲቨን ሙኒቺ ከምኡ’ውን ብናይ ባንኪ ዓለም ኣተሓባባሪነት ይካየድ ምህላው ተፈሊጡ’ሎ።