ሚንስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ዝርግሐ ዝናብን ዘራእትን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዝርከብ ገሊጹ

Your browser doesn’t support HTML5

ሚንስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ዝርግሐ ዝናብን ዘራእትን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዝርከብ ገሊጹ

ኣብ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ ሰነ ዝጀመረ ዝናብ ክረምቲ፡ብዓቐንን ዝርግሐን ጽቡቕ ብምንባሩ ዘራእቲ ክራማት ኣብ እዋኑ ተዘሪኦም ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዝርከብ ሚንስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ሚኒስትሪ ሓላፊ ኣሃዱ ዘራእቲ ኣቶ ክብሮም መሓሪ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ዝበዝሑ ዘራእቲ ኣብ ቆጽላዊ ደረጃ ከምዝረከቡን ኣብ ኣዝመራ ዝተዘርኡ ዘራእቲ ከኣ ኣብ ምጉሳይ ከምዝበጽሑ ኣረዲኡ።ሓላፊ ሕርሻዊ ሜትርዮሎጂ ኣቶ ተኸስተ ወልደገብርኤል ብወገኑ ኣብ ዝበዝሑ ነቑጣታት ልዕሊ 300 ሚሊ-ሊተር ዝናብ ከምእተመዝገበ ገሊጹ’ሎ።