ኣስመራ —
ሚኒስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ሕማማት እንስሳታት ንምክልኻልን ንምቁጽጻርን ንልዕሊ 2.5 ሚልየን እንስሳታት ነጻ ግዱድ ክታበት ከምዝሃበ ገሊጹ።
ብባክተሪያ ዝመጽእን ካብ እንስሳ ናብ ሰብ ዝመሓላለፍን ሕማም ምቑላዕ ኣብ ገለ ከባቢታት ኤርትራ ብምርኣዩ ኣብ ኩለን ዞባታት ኣንጻር ናይ’ዚ ሕማም ክታበት ይወሃብ ከምዘሎ ኣብ’ቲ ሚኒስትሪ ሓላፊ ጨንፈር ሓለዋ እንስሳን ቡቕልን ዶ/ር ዮናስ ወልዱ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም ።ዛጊት ልዕሊ 10 ሽሕ ቅምሶታት ካብ እንስሳታት ተወሲዱ መጽናዕቲ ይካየድ ከምዘ’ሎ ዝሓበረ ዶ/ር ዮናስ፡ንልዕሊ 52 ሽሕ ዋና ዘለወን ኣኽላባት ጸረ- ሕማም ዕቡድ ከልቢ ክታበት ከምዝተውሃበ ወሲኹ ኣረዲኡ።
Your browser doesn’t support HTML5
ሚኒስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ክታበት እንስሳታት ይህብ ከምዘሎ ገሊጹ