ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑድ ዓረብ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ይበጽሕ

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑድ ዓረብ ዓድል ኣል ጁበይር ዝተመርሐ ልኡኽ ንግስነት ስዑድ ዓረብ ኣብ ኤርትራ ናይ ሓደ መዓልቲ ምብጻሕ ብምክያድ ምስ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ሎሚ ሓሙስ 09 ነሓሰ ተራኺቡ።

ርክብ ኤርትራን ስዑድዓረብን

ኣብቲ ርክብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑድ ዓረብ ዓድል ኣል ጁበይር ካብ ንጉስ ስዑድ ዓረብ ሳልማን ቢን ዓብደልዓዚዝ ዝተላእከ መልእኽቲ ናብ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብጺሑ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑድ ዓረብ ዓድል ኣል ጁበይር

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑድ ዓረብ ዓድል ኣል ጁበይር ዝምድና ኤርትራን ስዑድ ዓረብን ኣብ ጽላታት ወፍሪ ንግድን ጸጥታዊ ምርግጋእን ጥራይ ዝተሓጽረ ከምዘይኮነን ክኒኡ ኣብ ኩሉ'ቲ ብሓባር ዘራኽቦም ምዃኑ ንማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ምግላጹ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዝዘርግሖ ናይ ትዊተር ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ኢሰያስ ብወገኑ ምድራዕ ታሪኻዊ ርክባት ኤርትራን ስዑድዓረብን ኪኖ ዞባዊ ጸጥታን ምርግጋእን ኣብ ሰፊሕ መዳያት ጽልዋ ዘለዎ ምዃኑ ከምዘስመረሉ ብተወሳኺ ተሓቢሩ።

ዑደት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑድ ዓረብ ዓድል ኣል ጁበይር ብሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስዑድ ዓረብ ኣሕመድ ቀጣንን ካልኦት ሰበስልጣንን ዝተሰነየ እዩ ነይሩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑድ ዓረብ ዓድል ኣል ጁበይር ዝመርሖ ጉጅለ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ስዑድ ዓረብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ ከምዝበጽሐ ብተወሳኺ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።