ሚ/ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰላት ጥሒሰን ዝበልወን ሃገራት ማዕቀባት ኣንቢሮም

  • ዜና ቪኦኤ
    ተወልደ ወልደገብረኤል

ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰላት ጥሒሰን ዝበልወን ሃገራት ማዕቀባት ኣንቢሮም ኣለዉ።

ቻይና: ማይንማር: ሩስያ ተጠቀስቲ ክኾና ከለዋ፡ ኣብ ኤርትራ: ደቡብ ሱዳን ሊብያን ዝርከቡ ውልቀሰባትን ትካላትን`ውን ዒላማ ናይቲ እገዳ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኮይኖም ኣለዉ።

እቲ 27 ሃገራት ዝሓቖፈ ደምበ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ንኣርባዕተ ሰበ-ስልጣን ቻይናን ሓደ ትካል መንግስትን ኣብ ዝርዝር`ቲ እገዳ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከእትዎም ከሎ፡ ንኣርባዕተ ሰበ-ስልጣን ሩስያ ድማ- ብማእሰርቲ ነቓፋይ ክረምሊን ኣለክሰይ ናቫልኒ ኣብ ማዕቀብ ኣእትዩዎም ኣሎ። ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ንማዕቀብ ሕብረት ኤውሮጳ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ዝኾነ ንዞባ ጂንጂያንግ ዝምልከት ኣብ ልዕሊኣ ዝግበር መቕጻዕቲ ሓያል ግብረ መልሲ ክስዕቦ`ዩ ክብል ኣጠንቂቑ`ሎ።

ሕብረት ኤውሮጳ ንኤርትራ ብዝምልከት ኣብታ ሃገር ንዝፍጸም ከም ብዘይፍርዲ ምእሳር፡ ምስዋርን ምቕታልን ዝበሉ ግህሰታት ተሓታቲ`ዩ ንዝበሎ ትካል ሃገራዊ ድሕነት ኣብቲ ዝርዝር እገዳ ዘእተወ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ንጀነራል ጋብሪኤል ሞሰስን ንናይ ሊብያ ሚሊሻ ካንያትን`ውን ኣብቲ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ዝርዝር እገዳ ኣትዮም ኣለዉ።