ሚ/ጉ/ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ብቴሌፎን ምዝርራቦም ተገሊጹ

  • ገብረ ገብረመድህን

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ሎሚ ሶኑይ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ከምዝተዘራረቡ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳይ ወፃኢ ኣሜሪካ ኔድ ፕራይስ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሮም።

ኣንቶኒ ብሊንከን ኣሜሪካ ኣብ ክልል ትግራይ እናኸፍአ ይኸይድ ዘሎ ሓደጋ ዓፀቦ ከምኡ'ውን ኣብ ካልኦት ክፋላት እታ ሃገር እናወሰኸ ይኸይድ ዘሎ ዘይምርግጋእን ሓዊሱ ኣብታ ሃገር እናሓመቐ ይኸይድ ብዘሎ ሰብኣውነትን ናይ ሰብኣዊ መሰላት ቅልውላውን ከቢድ ስግኣት ከምዘለዋ ደጊሞም ገሊፆምሎም ኣለው።

እቶም ሚኒስትር ኤርትራ ወታደራታ ካብ ትግራይ ንምውፃእ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝኣተውኦ ቃል ብዘይውዓል፣ምሉእ ብምሉእን ብዝተረጋገጸ ኣገባብን ክፍፅሙ ኣተሓሳሲቦምዎም ኣለው።እቶም ሚኒስትር ካብዚ በተወሳኺ ወታሃደራት ኤርትራን ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ኣብ ትግራይ ይውስኽ ንዘሎ ሰብኣዊ ሓደጋን ይፍፀሙ ዘለው ሰብኣዊ መግሃስትታትን ክውስኽ ኣበርኽቶ ይገብር ኣሎ ኢሎም።

ኣንቶኒ ብሊንከር ኩሎም ኣብቲ ግጭት ይሳተፉ ዘለው ኣካላት ብዘይውዓል ሕደር ተፃብኦ ጠጠው ከብሉ ኣስሚሮምሉ።

ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላት ብናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽንን ቤት ፅሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትብሓባር ክምርምርዎ ብሓጎስ ከምዝቕበሉዎም ብምግላፅ ፈፀምቲ ክሕተቱ ኣስሚሮምሉ።

ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ፍሉይ ልኡኽ ምሻሞም ብግልፃ ኣምባሳደር ፌልትማን ኣብ ዝቕፅሉ ማዕልታት ናብ ኢትዮጵያ ከምዝጉዓዙ ሓቢሮም ኣለው።