ሚ/ጉ/ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም እስራኤል በጺሖም

  • ዜና ቪኦኤ
    ተወልደ ወልደገብረኤል

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮ፥ ኣብቲ ብእስራኤል ዝተጎብጠ ምዕራባዊ ገማግም ዝርከብ ናይ እስራኤል ሰፈራ በጺሑ።

ፖምፒዮ፥ ነቲ ኣብ ናይ 1967 ኩናት ካብ ሶርያ ዝመንዝዓቶ ጎቦታት ጎላን`ውን ከም ዝበጽሕ ኣፍሊጡ`ሎ።

ፖምፒዮ ኣብ ዘረብኡ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ብምርኣይ ንዝገበሮ ውሳነ ተወሳኺ ኣፍልጦ ንምሃብ`ዩ ኢሉ።