ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ: ኣልጀርያ ምስ ሩስያ ዘለዋ መርገጺ ዳግመ ግምት ክትገብረሉ ኣተሓሳሲቦም

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ማእኸላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ኣብ ሰለስተ ሃገራት ዘካየድዎ ዑደት: ኣልጀሪያ ምስ ሩስያ ዘለዋ ምትእስሳር ውሱን ክትገብርን ምስ ጎረቤታ ሞሮኮ ርክባት ንኽተመሓይሽን ለበዋ ብምቅራብ ዛዚሞም ።

ትማሊ ረቡዕ ምስ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኣልጀርያ ድሕሪ ምርኻቦም ብሊንከን ኹናት ዩክሬን ንኹለን ሃገራት ምስ ሩስያ ንዘለወን ዝምድና ዳግመ ገምጋም ክገብራን ንግዝኣታዊ ሓድነት ካልኦት ሃገራት ደገፈን ክገልጻን ክገብር ኣለዎ ኢሎም።

ኣንተኒ ብሊንከን "ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተፈላለየ ታሪኻዊ ዝምድና ምስ ሩስያ ከም ዘለወን ፍሉጥ እንተኾነ ሓደ ነገር ምስ ዝቅልቀል እሞ ኸኣ ጻዕዳን ጸሊምን ኾይኑ ንጹር ዝኾነሉ ጊዜ ኣሎ። ኣብዚ ሕጂ ጉዳይ ዩክሬን ንጹር ወራራይን ግዳይን ኣሎ። ኣብ ጎኒ እቲ ግዳይን ተጣሒሱ ዘሎ መርህን ደው ምባል ኣድላይ እዩ። እዚ መርህ እዚ ኣብ ዙርያ ዓለም ንዘለዋ ሃገራት ዘገድሰን ክኸውን ኣለዎ። ሉኣላዊነት ዝምልከት መርህ ናጽነት ዝምልከት መርህ፥ ታሪኾም ብምርኣይ ኣልጀራውያን ኸኣ ነዚ ብርቱዕ ስሚዒት ከም ዘለዎም እፈልጥ'የ"ኢሎም ።

ኣልጀርያ ብዛዕባ እታ ግዝኣት ስጳኛ ዝነበረት ምዕራብ ሳሃራ ብዝምልከት ምስ ሞሮኮ ኣብ መሪር ምስሕሓብ እያ ተቀርቂራ ዘላ። ኣልጀሪያ ሞሮኮ ነታ ግዝኣት ሓውሲ ርእሰ ምምሕዳር ብምሃብ መሊሳ ንምቁጽጻር ዘለዋ ውጥን ትቃወም። ኣመሪካ ነቲ ውጥን ቁምነገር ዘለዎ ተኣማኒን ክኸዉን ዝኽእል ክትብል ንኢዳቶ እያ: ግን ከም ብሕታዊ መንገዲ ፍታሕ ጌራ ኣየጽደቀቶን።