አዲስ አበባ —
ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ሚኒስትር ዴኤታ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ሎሚ አብ ዝሃቦ መግለጺ "ብሽም ምቅራብ ረድኤት ንህወሓት ዘዕጥቁ ኣወሃሃድቲ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዘለው ብምጥቃስ፣ መንግስቲ ንገሊኦም ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ካብ’ታ ሃገር ከውጸኦም ከምዝኽእል" ኣጠንቂቑ።
ብካልእ ወገን፣ ንክልል ትግራይ ዳግም ዝመርሕ ዘሎ ዶ/ር ደብረጽየን ገ/ሚካኤል: ረድኤት ብዘይጸገም ምእንታን ክማሓላለፍ፣ ተኹሲ ደው ኣቢልና ሰራዊትና ካብ ትግራይ ኣውጺእና እናበሉ፣ ካብን ናብን ትግራይ ይካየድ ዝነበረ ናይ ኣየርን ምድሪን መጓዓዝያ ብምዕጻው ሓገዝ ይኹን ካልኦት አገልግሎታት ክቋረጽ ገይሮም እዮም ክብል ንፈደራል መንግስቲ ከሲሱ`ሎ።
Your browser doesn’t support HTML5