ሚ/ሰላም ኢትዮጵያ መግብን ካልእ ረድኤት ዝጸዓና 100 ናይ ጽዕነት ተሸርከርቲን ናብ ክልል ትግራይ ምልኣኹ ገሊጹ

  • መለስካቸው ኣምሃ
    ተወልደ ወልደገብረኤል

ሚ/ሰላም ኢትዮጵያ

​ድሕሪ ውሳነ በይናዊ ምቁራጽ ተኹሲ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ክልል ትግራይ ብልዕሊ 500 ናይ ጽዕነት ተሽከርከርቲ መግብን ካልእ ረድኤትን ምልኣኹ ሚንስትሪ ሰላም ኣፍሊጡ። እቲ ሚንስትሪ ወሲኹ "እቲ ምንቅስቓስ ረድኤት ንከይቀላጠፍ ዕንቅፋት ዝፈጠረ ህወሓት`ዩ" ድማ ይብል ።

ኣብ ከባባ ከምዘሎ ዝዛረብ ህወሓት ብወገኑ፡ "ህዝቢ ትግራይ እኽሊ ረድኤት ንኸይረክብ መንግስቲ ዕንቅፋት ይፈጥር ኣሎ" ይብል::

ብኻልእ ወገን፡ ሓደ ሓደ ዘይመንግስታውያን ትካላት ነቲ መንግስቲ ብኣሸባርነት ዝመደቦ ሓይሊ፡ ኣጽዋራት ከቐብሉ ከለዉ ከምዝተታሕዙ እቲ ሚንስትሪ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ`ሎ።