ኣስመራ —
ስርዓተ ሙምያ ፡ዝኾነ ሂወት ዘለዎ ፍጡር ድሕሪ ምማቱ ከይተበላሸወ ንመዋእል ከጽንሕ ዝኽእል ናይ መግነዝ ጥበብ ከምዝኾነን፡ ሙምያ ኣብ ኤርትራ ኣብ 5ይ ክፍለ-ዘመን ምስ ምምጻእ ኣባ-ሊባኖስ ከምዝተኣታተወ ዝገልጽ ኣፈ-ታሪኽን ኣብ መጻሕፍቲ ገድሊ ዝተጻሕፈ ሓበሬታን ከምዘሎ ዳይረክተር ስነዳ ኮሚሽን ስፖርትን ባህልን ኤርትራ ኣቶ ዳዊት ኣርኣያ ንቪኦኤ ተዛሪቡ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ገዳማት ወይ ደብርታት ናይ ኤርትራ ሙምያ እንተሎ’ኳ፡ እቶም ፍሉጣትን ብጻዕቂ ዝርከበሎም ቦታታት ሙምያ ግን ኣብ ዞባ ደቡብ፡ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ከምዝኾነ ኣቶ ዳዊት ተዛሪቡ።
ደብሪ ኣቦነ-ሊባኖስ(ሃም)፡ባረክናሃ፡ መጠራ፡ባዕከር ከኣ ገለ ካብ’ተን ዝጥቀሳ ቦታታት’የን።
ምሉእ ትሕዝቶ ቂሔ -ጽልሚ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
Your browser doesn’t support HTML5