መጓዓዝያ ምድሪ ክልል ትግራይ ስራሕ ይጅምር፣ ጋግ ግን ዓቢ'ዩ

Your browser doesn’t support HTML5

ብሰንኪ ኣብ ክልል ትግራይ ዝነበረ ኲናት፡ መጓዓዝያ ምድሪ እቲ ክልል፡ ካብቲ ወሪዱዎ ዝጸንሐ ለጠቕታ፡ ሕጂ ናብ ብዙሓት ወገናት ትግራይ ስራሑ ጀሚሩ ኣሎ። እንተዀነ ትሕተ-ቅርጺ እቲ ጽላት ተሃይስዩ ብምጽናሑ፡ ዳግም ኣብ ምብርባሩ ሓያሎ ሃጓፋት ፈጢሩ ኣሎ። ሰብ-መዚ ከኣ ካብን ናብን ጎረባብቲ ክልላትን ዓበይቲ ከተማታትን ዘሎ መስመር ክኽፈት ይምሕጸኑ።