መግለጺ ዶ/ር ደብረፅዮን ኣብ ህሉዊ ኵነታት: ዘተ-ሰላም፡ ሓገዝን ውክልና ህወሓትን

Your browser doesn’t support HTML5

መግለጺ ዶ/ር ደብረፅዮን ኣብ ህሉዊ ኵነታት: ዘተ-ሰላም፡ ሓገዝን ውክልና ህወሓትን

ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፡ ንህሉዊ ኵነታት ኣመልኪቶም ምስ ማዕከናት ዜና እቲ ክልል መብርሂ ሂቦም። ዶ/ር ደብረፅዮን ኣብ መግለፂኦም ነቲ ምስ ፈደራል መንግስቲ ዝግበር ልዝብ፣ ብዛዕባ ናብ ክልል ትግራይ ዝኣቱ ሓገዝን ብወገን ተቓወምቲ ውድባት ንውክልና ህወሓት ኣመልኪቶም’ውን መብርሂ ሂቦም ኣለዉ።

ዶክተር ደብረጽዮን ኣብ መግለጺኦም ነቲ ከይዲ ሰላም ብቐረባ ዝከታተሉዎ ዘለዉ ኣመሪካ ምዃኖም ጠቒሶም ነይሮም። ብዛዕባ ኣፍልጦን ግደን መንግስቲ ኣመሪካ ድማ ንፈጻሚት ስራሕ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳድር ትረሲ ጃኮብሰን ሕቶ ቐሪቡለን ከምዚ ክብላ መሊሰን።

“ኣመሪካ ምሉእ ብምሉእ ብመሪሕነት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝግበር ልዝብ ትድግፍ’ያ። እቲ ዘተ ኣበይ ይፍጸም፡ ከመይ ይኸይድን እንታይ ዓይነት ዝርዝር ይሓቍፍን ግን ነቶም ዝመልከቶም ወገናት ዝምልከት’ዩ። ንሕና ኣብዚ ጉዳይ ሓደ መርገጺ ኣይንወስድን ኢና። መን እንታይ ክግበር ከም ዝግብኦ ንሕና ንውስኖ ኣይኰነን። ኣብ ሓጺር እዋን ክፍጸሙ ከም ዘለዎም ጸቒጥና ንዛረበሉ’ዩ። ዝዀነ ኣካል ካባና ዝጽበዮ ደገፍ ምስ ዝህልው ክንሕግዝ ድሉዋት ምዃንና ግን ከብርህ እደሊ፡” ኢለን።