መግለጺ ዓረና ንሉኣላዊነትን ዲሞክራሲን ኣብ ጉዳይ ኮሚሽን ወሰንን መንነትን

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ኢትዮጵያ ምርጫ ክሳብ ዝካየድ ሐዚ ዘሎ መንግስቲ ሃገር ብዝግባእ ከመሓደር ኣይካአለን እሞ ብሄራዊ ናይ ሓድነት መንግስቲ ይመስረት ክብል ውድብ ዓረና ንሉአላዊነትን ዲሞክራሲን ፀዊዑ። ማእከላይ ኮሚቴ እቲ ውድብ ዝሓለፈ ቀዳምን ሰንበትን ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ንኮሚሽን ምምሕዳር ወስንን መንነትን እውን ዘይሕገመንግስታዊ ብምባል ተቓዊምዎ።