መግለጺ ወሃቢ ቃል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ክልል ትግራይ

  • ተወልደ ወልደገብረኤል

ወሃቢ ቓል ሕቡራት ሃገራት ስተፈን ዱጃሪክ ኩነታት ክልል ትግራይ ኣዝዩ ከቢድን ክትግምቶ ዘይትኽእልን ምዃኑ ኣብቲ ቦታ ዘለዉ ብጾትና ይነግሩና`ለዉ ኢሉ ።

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ካብ መቐለ ካብ ዝወጽእ ንድሓር እታ ከተማ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻር ህወሓት ከምዘላ፡ እቲ ኩነታት ኣብ ዓዲ ግራት፡ ዓድዋ:ኣኽሱምን ሽረን ከምኡ ምዃኑ ገሊጹ`ሎ።

ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት እቲ ኩነታት ኣብ መቐለ ብሓፈሽኡ ህዱእ`ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ገለ ቦታታት`ታ ኽልል ግና ኩናት ቀጺሉ ከምዘሎ ጸብጻባት ይመጹና ኣለዉ ኢሉ ።

ኤለክትሪክን ተለኮምኒኬሽንን ኣብ ምልእቲ ትግራይ ምስ ተዓጽወ`ዩ ዝበለ እቲ ወሃቢ ቃል፡ ኣብ መቐለ ኣብ ክልተ ቀጽርታት ሕቡራት ሃገራት ከምኡ`ውን ሓንቲ ኣብ ሽረ ጥራሕ ብሳታላይት ተለፎን ከምኡ ድማ ብቪሳት መራኽቢ ኢንተርነት ውሱን ርክብ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ንሱ ኣስዒቡ ኩሎም ወገናት`ቲ ግጭት ንሲቪላት ክሕልዉን፡ ኣብ ውሽጢ`ቲ ክልል ኮነ ናብቲ ክልል ንምእታው ንሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤትን ቀረባትን ብዘይ ዕንቅፋት ናጻ መስመር ክኸፍቱን ይግባእ ኢሉ ።

ተወሰኽቲ ሰራሕተኛታትን ቀረባትን ናብ ትግራይ ክኣትዉን ኣገልግሎት ኤለክትሪክን ተለፎንን ናብ ቦትኡ ክምለስ ከምኡ ኣብታ ኽልል ካሽ ገንዘብን ነዳድን ክህሉ ህጹጽነት ዝሓትት`ዩ ዝበለ ስተፈን ዱጃሪክ፡ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ምክትታልና ክንቅጽል ኢና፡ እቲ ኩናት ብቕጽበት ደው ክብልን ናብ ሰለማዊ ፍታሕ ስጉምታት ክውሰድን ዋና ጸሓፊ ዘቕረቦ ጻዊዒት ድማ ክነስምረሉ ንደሊ ኢሉ ።