መግለጺ ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ኩነታት ክልል ትግራይ

ኣብዚ እዋን'ውን ኣብ ክልል ትግራይ ሰብ ኣዊ ሓገዛት ንምብፃሕ ሙሉእ ብሙሉእ ዝተዓፅወ እዩ ዝብል ዜና ተቀባልነት ዘይብሉ እዩ ክብሉ ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ተዛሪቦም ።

​ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ህልው ኩነታት ሰብኣዊ ሓገዝ ሎሚ'ውን ኣብ ክልተ ሓሳባት ተኸፊሉ ይርከብ። ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ዲፕሎማሲያዊ ፍፃመታት ኣመልኪቶም ንጋዜጠኛታት መግለፂ ኣብ ዝሃቡሉ እዋን ካብቶም ተሳተፍቲ ዝለዓሉ ዝነበሩ ሕቶታት መብዛሕትኦም ኣብዚ ጉዳይ ዝጠመቱ ነይሮም ።

ኢትዮጵያ ካብ ሓዱሽ ምምሕዳር ኣሜሪካ እትፅብዮ ሰናይ ርክብ ከምዝኾነን ነዚ ዘርኢ ፅቡቅ ጅማሮ ከምዘሎ'ውን ገሊፆም እዮም ።

ናይ ሎሚ ዓመት ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ'ውን ብዋይብነር/ ብቪድዮ ኮንፈረንስ / ኣቢሉ ከምዝካየድ ኣፍሊጦም እዮም ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።

Your browser doesn’t support HTML5

መግለጺ ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ኩነታት ክልል ትግራይ