ዋሽንግተን —
ፌደራል ፖሊስ ጠንቂ ሞት ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ንምዕዛብ ከይዱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝዓረፍሉ ሆቴል ዝሞተ ኣሜሪካዊ ተፈጥሮኣዊ ምዃኑ ነቲ ምርመራ ዘካየደ ጳውሎስ ሆስፒታል ኣረጋጊፁ ኢሉ ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ናይ ካርተር ሰንተርብሃንደበታዊ ሞት ጆን ማርሽ ዝተሰምዖ ዓሚቕ ሓዘኑ ብምግላፅ ንስድርኡን ፈተውቱን ፅንዓት ተመኒዩ። እቲ ማእኸል ጆን ማርሽ ኣብ ካርተር ሰንተር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ምስኦም ይሰርሕ ከምዝነበረ ሓቢሩ ኣሎ ።
እቲ ማእኸል ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ጆን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ከምኡ'ውን ኣብ ዓለም ንሰብኣዊ መሰላት፣ፍትሕን ዴሞክራስን በሊሕ ተሓላቒ ነይሩ ይብል ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኔድ ፕራይስ ሞት ኣሜሪካዊ ዜጋ ዘሕዝን እዩ ኢሎም ብምግላፅ ንክብሪ ስድርኡ ክብሃል ዝርዝር ሓበሬታ ምሃብ ኣየድልን ኢሎም።
ንናይ ኢትዮጵያ ምርጫ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቡዎ ርእይቶ ድማ እቲ ምርጫ ኣብታ ሃገር ንዝቕፀለ ግጭት ዝፈትሕ ኣይኮነን ኢሎም።ልዝብ፣ምትሕብባር ከምኡ'ውን እንካሃባ ዘለዎ ሰፊሕ ፖለቲካዊ መስርሕ የድሊ ኢሎም።ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካኩሎም ኢትዮጵያዊያን ዲሞክራሲ ዘሐይልን ናይ ብሄራትን ማሕበረሰባዊ ግጭታትን ንምፍታሕን ዝሕግዙ ሓቋፊ ፖለቲካዊ ልዝብ ክካየድ ቅሩባት ክኾኑ ፀዊዖም ።