ዋሽንግተን —
ሓላፊ ጉዳይ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፍሊፖ ግራንዴ ብዛዕባ ኣብ ዕዳጋ ቶጎጋ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ዘጋጠመ ሞትን መጉዳእቲን ዝምልከት መግለጺ ሂቦም።
ፍሊፖ ግራንዴ"እቲ ዳሕረዋይ ዘሕዝን ፍጻመ (ትራጀዲ) ዘጉለሆ ሓቂ፣ ውግእ ከምዝገደዶን ሰብኣዊ ኩነታት ኣብ ሓደጋ ይወድቅ ከምዘሎን እዩ" ይብሉ ።
ንሶም ወሲኾም ኣብ ክልል ትግራይ ውግእ ኣብ ሕዳር ካብ ዝውላዕ ንደሓር፣ብተደጋጋሚ ውግእ ንከብቅዕ ተዋጋእቲ ንሰላማዊያን ሰባት ሰራሕተኛታት ረድኤትን ክከላኸሉሎምን ጸዊዔ እየ ይብሉ ።