"ሓረስቶት ትግራይ፣ ንእዋን ክረምቲ ንክጥቀሙሉ ተባሂሉ ዝተኣወጀ በይናዊ ምቁራጽ ተኹሲ፣ ንምትንዃል ዘውዐሎ ህወሓት፣ ንናይ ካልኦት ክልላት ሓረስቶትን ሰበኽ ሳግምን ይህውኾም" ኣሎ ኢለን ሓላፊት ፕረስ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም።
ቢልለኔ ማሕበረሰብ ዓለም ብግልጺ ንዝራኣይን ኣብ ኣደባባይ ዝብሎን ጽልኢ ምጽሕታር፣ ብስቅታ ምሕላፉ ዘተሓትትን፣ ጸግዒ ከምዝሓዘን ዘርኢን’ዩ’ውን ኢለን። እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ መንግስቲ ክልል ትግራይ ናብ ምቁራጽ ተኹሲ ንምብጻሕ ሓገዝቲ ዝበሎም ሓሙሽተ ነጥቢታት ዝሓዘ እማመ ሰላም ሎሚ ከም ዘቕርበ ይግለጽ ኣሎ።
እቲ ትማሊ ብወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀ/ሚ ዝኾና ቢል ለኔ ስዩም ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ በይናዊ ምቁራጽ ተኹሲ ገይረ ኣለኹ ካብ ዝበለሉ ንዳሓር ዝተዋሃበ ፈላማይ መግለጺ እዩ።
ቢልለኔ ስዩም ከምዝበለኦ "ዕላማ እቲ ምቁራጽ ተኹሲ፣ ሓረስቶት ትግራይ፣ ንእዋን ክረምቲ ተጠቂሞም ስራሕቲ ሕርሻ ንክፍጽሙ ክሕግዝ እዩ ተባሂሉ ከምዝኾነ" ጠቂሰን። እንተኾነ ይብላ ንሰን ‘ጽልኢ ጻሕታሪ ተግባር ህወሓት’ ብዝበለኦ ተግባር ተዓንቂፉ ኣሎ ኢለን::
"መንግስቲ ንዝኣወጆ ምቁራጽ ተኹሲ ስዒቡ፣ ህወሓት ናብ ክልላት ምስፋሕንጽልኢ ምፍጣርን ቀጺሉ ኣሎ። ስለዚ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ጥራሕ ዝተሓጸረ ኣይኮነን። መጥቃዕቲ ህወሓት፣ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን’ውን ተጋፊሑ ኣሎ።"
እተን ሓላፊት ፕረስ ቤት ጽሕፈት ቀ/ሚ ህወሓት ነቲ ውግእ ምቅጻሉ፣ ንናብራ ሓረስቶትን ካልኦት ዜጋታትን ሓላሊኽዎ ኣሎ ይብላ ።
"ምቁራጽ ተኹሲ ዝፈጠሮ ኣጋጣሚ፣ ንሓረስቶት ትግራይን ኣብ’ቲ ክልል ንዝነጥፉ ትካላት ረድኤት ንምድጋፍ ኣብ ክንዲ ምጥቃም፣ ከምጋሻ ንዝጥቀሙሎም ሲቪላት ኣንቀሳቂሶም፣ ኣብ ዓፋር፣ ኣምሓራን ትግራይን ንዝርከቡ ማሕበረሰባት ይህውኹዎም ኣለው። ንናይ ክልል ኣምሓራ ሓረስቶትን ናይ ክልል ዓፋር ሰበኽ ሳግምን ኩነታት ኣብ ክንዲ ምትህድዳእ፣ እቲ ጉጅለ ሽበራ ይህወኽን የጋድዶን ኣሎ። አብ ሰብኣዊነት ዝተመርኮሰ ምቁራጽ ተኹሲ ንኩነታት ዝያዳ ንከጋድድ ዕድል ሂብዎ። "
እተን ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ፕረስ፣ ጸግዒ ዝሓዘ መርገጺ ንዝበለኦ ማሕበረሰብ ዓለም’ውን ነቂፈን እየ::
"ብዛዕባ ድሕነት ህዝቢ ትግራይ ድምጾም የቃልሑ ዝነበሩ፣ ሎሚ ህወሓት ንቀረባት ሰብኣዊ ሓገዛት ክዓጹ ከሎ፣ ይቃወሙኒ’ዮም ንዝበሎም ተጋሩ ክቀትል ከሎ፣ ህጻናት ናብ ሰራዊት ክምልምል ከሎ፣ ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ንምስክርነት ምሩኻት ሰሚዕና ኢና፣ ንሲቪላት ከም ሰብኣዊ ዋልታ ክጥቀም ከሎ፣ እቲ ግጭት ናብ ካልኦት ክልላት ኣስጊሩ መጥቓዕቲ ክፍጽም ከሎ፣ ስቅታ መሪጾም እዮም። ሰራዊታት መንግስቲን ክልል ኣምሓራን ካብ ትግራይ ይውጽኡ ዝብል ጻውዒት ነይሮም እዮም። ብግብረ ሽብራ ናይ ዝተጸወዐ ሓይልታት ህወሓት፣ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ክኣትው ከሎ ዓብዪ ስቃታ እዩ ዘሎ። ስለምንታይ? ዝብል ሕቶ ዘበግስ እዩ::"
እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ኣብ’ዚ ሳልስቲ ብትዊተር ርእይቶ ዝሃበ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ‘ኣብ ውግእ ይሰልጠና ኣሎ’ ኢሉ ኣሎ። ኣቶ ጌታቸው "ፌደራል መንግስቲን ክልል ኣምሓራን ካበየ ክልላት ኣኪቦም ንዘዋፈርዎም ኣባላት ፍሉይ ሓይሊን ሓረስቶትን፣ ናብ ዝመጽእሉ ከባቢታት ምምላስና ክንቅጽለሉ ኢና፣ ጽልእና ምስ ምስ ውጹዓት ህዝቢታት ኣምሓራ፣ ዓፋርን ካልኦት ህዝቢታትን ምስ ምልሻታቶምን ኣይኮነን" ኢሎም።
ዝሓላፈ ቅነ፣ ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣመሪካ ዋይት ሃውስ ንኩነታት ኣብ ክልል ትግራይ ዝምልከት ሕቶ ተላዒሉ ነይሩ። እቲ ሕቶ "ህወሓት ነቲ ምቁራጽ ተኹሲ ዘይምቅባሉን ንህጻናት ኣብ ውግእ ምጥቃሙ ጉዳይ፣ መርገጺ ምምሕዳር ባይደን እንታይ እዩ?" ዝብል እዩ ነይሩ። ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ "ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነተ ጸጥታን ህድኣትን ካብ ልቢ ከምዝምልከተኦ" ብምጥቃስ ነቲ ጉዳይ ናብ ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት መሪሐነኦ እየን።
ቅድሚ ሎሚ መርገጺኤን ዝገለጻ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣመሪካ ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ ኣብ ልዝብ ዝተመሰረተ ምቁራጽ ተኹሲ ኣገዳሲ ምዃኑ ከምዝገለጻ ዝዝከር እዩ ።
እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ሎሚ ሓሙስ "እዋናዊ መርገጺ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ልዝብ ንምቁራጽ ተዂሲ" ኣብ ትሕቲ ዝብል ሓሙሽተ ነጥቢታት ዝሓዘ እማመ ሰላም ኣውጺኡ ኣሎ።
እቲ እማመ ሰላም "መንግስቲ ክልል ትግራይ፣ ውግእ ብሰላማዊ ኣገባብ ንከብቅዕ ድልየቱ ከምዝኾነ ደጋጊሙ ገሊጹ እዩ፣ ናይ ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ጸጥታን ንምሕላው’ውን ዓቅሚ ከምዘለዎ ንጹር ኮይኑ ኣሎ" ይብል።
ፖለቲካዊን ወትሃደራዊት ኩነታት ኢትዮጵያን ሳዕቤናቱን ብቅልጡፍ ይቀያየር ከምዘሎ ምምሕዳር ትግራይ ስለዝተረደአ፣ ቅድም ኢሉ ንዘቅረቦ እማመ ሰላም ምምሕያሽ ኣገዳሲ ኮይኑ ከምዝረኸቦ’ውን ይጠቅስ። ብመሰረት’ዚ ይብል እቲ መግለጺ "ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ሕጋዊነትን ሕገ መንግስታዊ ስልጣንን ስለዘይብሉ፣ መሰጋገሪ ስርዓት ንክተኣታተውን ንኩሎም ፖለቲካዊ ፓርቲታት ዝሓቆፈ መድረኽ ንክዳለውን፣ ሰራዊታት ኤርትራን ክልል ኣምሓራን ካብ ትግራይ ከምዝወጹ ብዓለምለኸ ኣካል ንክረጋገጽን ነገራት ናብ ንቡር ንክምለሱን" ብምጽዋዕ፣ ኣብ ልዝብ ዝተመስረተ ምቁራጽ ተኹሲ ቅድሚ ምትግባሩ ክማልኡ ኣለዎም ዝበሎም ሓሙሽተ ነጥቢታት ኣነጺሩ ኣሎ።
1ይ፣ ኣብ ትግራይ ዝተቋረጹ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት፣ ኤለክትሪክ፣ ስልኪ፣ ባንኪ፣ መጓዓዝያ፣ ጥዕናን ንግዲን ይከፈቱ።
2ይ፣ በጀት 2013ን 14 ንትግራይ ይለቀቅ፣
3ይ፣ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝኣትወሉ ጽርግያታትን መገዲታትን ይከፈቱ
4ይ፣ ኩሎም ፖለቲካዊ፣ ወትሃደራዊን ሲቪላዊን እሱራት ይፈትሑ
5ይ፣ ጅምላዊ ማእሰርቲን ምዕጻው ኣብያተ ንግዲን ተጋሩ ብህጹጽ ደው ይበል፣ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ናይ ምንቅስቃስ ነጻነቶም ይረጋገጽ፣ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ወፍሪ ሚድያ ደው ይበል ዝብሉ እዮም።
ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ልዝብ ንዝተመርኮሰ ምቁራጽ ተኹሲ ዘብጽሑ እዞም ዝተጠቀሱ ቅድመ ኩነታት ተቀባልነት ከምዝረኸቡ ንምርግጋጽ፣ ኣቀዲሙ ብዓለምለኸ ሚድያታት ንክቃላሕ’ውን ጸዊዑ ኣሎ ።
Your browser doesn’t support HTML5