መግለጺ ቤት ጽሕፈት ቀ/ሚ ኢትዮጵያ

ሓላፊት ፕረስ ቤት ጽሕፈት ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ቢልለኔ ስዩም

ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሓይልታት ምክልኻል ኣብ ግንባር ኹናት ዓወታት ሓፊሶም ንስትራተጂካዊት ከተማ ደሴን ናይ ኢንዱስትሪን ከተማ ኮምቦልቻን ተቆጻጺሮም ክብል ኣፍሊጡ።

ብመሰረት መግለጺ እቲ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ግንባር ንሰራዊት ምምራሕ ዝርከብሉ ካልኣይ ሰሙን ብተወሳኺ ምምላስ ብዙሓት ስትራቴጂካዊ ቦታታት እዚ ናይ ትማሊ ነቲ ኣብ ምብትታን ዘሎ ኣሸባሪ ጉጅለ ዓብይ ኪሳራ'ዩ ኢሉ'ሎ።

እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ሓይልታት ምክልኻል ብዙሕ ቁጽሪ ዘለዎም ተዋጋእቲ ህወሓት ምሓዙ ቀጺሉ'ሎ ብዙሓት'ዉን ኢዶም ንኽህቡ ዝቀረበ መጸዋዕታ ሰሚዖም እዮም ኢሉ።

እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ህወሓት ሒዝወን ኣብ ዝነበረ ከተማታት ኣምሓራን ዓፋርን ዓብይ ዕንወት ንብረት ህዝብን ውልቂን ኣውሪዱ ከቢድ ግፍዕታትን ምግሃሳት ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰላማውያን ሰባት ምፍጻሙ መረጋገጺታት ይቀላቀል'ሎ ድሕሪ ምባል ኣብ ጋሺናን ሰሜን ሸዋ ከተማ ኣንጾክያን ጅምላዊ ቅትለት ተፈጺሙ፥ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ሰፋሕቲ ጸብጻባት ጾታዊ ዓመጻት ዝምልከት ጸብጻባት ይወጽእ ሎ። ነዚ ንምቅላዕ ኸኣ ቀጻሊ ምርመራ ኸድሊ'ዩ ኢሉ'ሎ።

እቲ መግለጺ ምዕራባውያን ሃገራትን ዓለምለኸ ጉጅለታትን ነዚ ተፈጺሙ ዝተባህለ ጅምላዊ ምግሃሳት ሰብኣዊ መሰላትን ግፍዒታት ህወሓትን ኣይተመልከትዎን ክብል ነቂፉ። እዚ ፖሎቲካዎ ተበግሶ ዘለዎን ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ድርብ መዐቀኒ ከምዘሎ ንጹር'ዩ ኢሉ'ሎ።

እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ተኻይዱ ንዝበሎ ሰብኣዊ ረድኤት ናይ ምብጻሕ ሰራሕ'ዉን ኣብ ክልላት ኣምሓራ ዓፋርን ትግራይን ጠቂሱ ግን ገለ 900 ዝኾና ናይ ጽዕነት መኻይን ገና ብህወሓት ተታሒዘን ኣለዋ ክብል ኸሲሱ።

እቲ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ዳስፖራ ጌሮሞ ንዝበሎም ኣበርክቶ'ዉን ምስጋና ኣቅሪቡ'ሎ ።