ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፥ ሱዳንን እስራኤልን ምሕዝነተን ምሕዳሰን ዝሓለፈ ቐዳም ኣብ ዘፍለጥሉ እዋን፡ ንጉዳይ ዓቢይ ግድብ ሕዳሰ'ውን ኣልዒሎም ኔሮም።
ምስ ቀዳሞት ሚንስተራት ሱዳንን እስራኤልን ብስልኪ ክዘራረቡ ኸለዉ'ዩ ጉዳይ ግድብ ሕዳሰ ዝተላዕለ። ትራምፕ ኣብቲ ናይ ስልኪ ዝርርቦም፡ ብዛዕባ ዓቢይ ግድብ ሕዳሰ ዝግበር ልዝብ'ውን ምስ ናይ ሱዳን ቀ/ሚ ኣልዒሎሞ ኔሮም።
ኢትዮጵያ ካብቲ ልዝብ ብምውጻኣ ግብጺ ሕጉስቲ ኣይኮነትን፡ስለዝኾነ ድማ፡ ግብጺ ነቲ ግድብ ክተፍርሶ'ያ ኢሎም።
ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ኩሉ ዶብ ሰገር ወሓይዛታ ፍትሓውን ምዕሩይን ኣጠቓቕማ ከም ትኽተል ድሕሪ ምሕባር፡ኢትዮጵያውያን ንልምዓት ዘለዎም ድልየትን ቆራጽነትን ብዘየጠራጥር መልክዑ ዝተመስከረ፥ ነቲ ሓጽቢ ብሓድነት ብዝሃብዎ ድጋፍን ኣበርኽቶን'ዩ ኢሉ።
ኣተሓሒዙ፡ እቲ ሓጽቢ፡ እዛ ሃገርን ኩሩዕ ህዝባን ናይ ቀደም ናብራ ምምራር ንድሕሪት ገዲፉ ነቲ ዘይክኣል ዝመስል ዝነበረ ንምጭባጥ ዝቃለሰሉ ዘሎ ናይ ለውጢ ምልክት'ዩ ኢልዎ'ሎ።
በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ቀዳማይ ምዕራፍ፡ ዝተኻየደ ናይቲ ሓጽቢ ምምላእ ሓደ ዝላ ንቕድሚት ምዃኑ እቲ መግለጺ ይጠቅስ።
እቲ መግለጺ ወሲኹ ምስቲ ህንጸት ሓጽቢ ሕዳሰ ጎኒ ንጎኒ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ታሕታዋይ ተፋሰስ ኒል ምስ ዝርከባ ሃገራት፡ ንፍትሓዊ ተጠቃምነትን ምትሕብባርን ዘለዋ ድልየት'ውን ብዘየወላውል መንግዲ ኣርእያ'ያ ይብል ።
ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ምስ ኣብ ታሕታዋይ ተፋሰስ ዝርከባ ሃገራት ተካይዶ ዘላ ልዝብ'ውን ከም ሓደ ምስክር ምዃኑ ዝጠቅስ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ቀ/ሚ ኣቢይ፥ ይኹን'ምበር ገለ ሓይልታት ሕጂ'ውን እንተኾነ፡ ኢትዮጵያ ንዘይ-ፍትሓዊ ዝኾነ ስምምዕ ንኽትንብርከኽ፡ከም ዘፈራርሑ ጠቒሱ'ሎ።
ፕረሲደንት ትራምፕ ኣብቲ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ዝገበሮ ናይ ስልኪ ዝርርብ፡ኢትዮጵያ ኣብ ፈለግ ኒል ትሃንጾ ዘላ ሓጽቢ መመንጨዊ ሓይሊ ኤለክትሪክ፡ ግብጺ ከም ተዕንዎ ብምጥቃስ፡ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት'ዩ:ምኽንያቱ ግብጺ ብእኡ ዓይነት መንገዲ ክትነብር ኣይትኽእልን'ያ ኢሉ ኔሩ'ዩ። ኣተሓሒዙ ነቲ ሓጽቢ ግብጻውያን ከዕንውዎ'ዮም፡ እዚ ድማ ቅድሚ ሎሚ'ውን ተዛሪበዮ'የ፡ ሎሚ'ውን ክዛረቦ'የ ኢሉ።
ካብ ቤት ጽሕፈት ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ዝወጸ መግለጺ ብወገኑ፡ ኢትዮጵያ ከም ሓንቲ ኣብ ምምዕባል ትርከብ ሃገር፡ ብድኽነት እናተፈተነት ትርከብ ዘላ'ያ ፡ ይኹን'ምበር ሃብታም ታሪኽ ዘለዋን ልኡላውነታ ናይ ዘየድፍሩ ሓርበኛ ዜጋታትን ሃገር'ያ፡ ንምብልጻግ ዘለዋ ድልየት ድማ ብንጹር ራእይ ዝተለመት'ያ ኢሉ።
ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ወግዓዊፈይስቡክ ገጹ፡ ኩሎም ዜጋታት ንሃገሮም ብሓድነት ንክቖሙ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ'ሎ።
ብኻልእ ወገን፡ ሚንስተር ወጻኢ ኢትዮጵያ ገዱ እንዳርጋቸው፡ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ኣመሪካ ኣምባሳደር ማይክ ረይነር ናብ ቤት ጽሕፈቱ ኣጸዊዑ፡ ብዛዕባ'ቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝበሎ መብርሂ ከምዝሓተተ'ውን ተፈሊጡ'ሎ።
ትራምፕ ነቲ ኣሰሓሓቢ ርእይቶ ዝሃበ፡ ምስ ቀዳሞት ሚንስተራት እስራኤልን ሱዳንን ብተለፎን ኣብ ዝተዘራረበሉ እዋን'ዩ።
ኣቶ ገዱ ኣብቲ ምስ ኣምባሳደር ኣመርካ ዝገበሮ ርክብ፥ ፕረዚደንት ትራምፕ ብዛዕባቲ ሓጽቢን፡ ብዛዕባቲ ስሉሳዊ ልዝብን ዝሃቦ ርእይቶ ዝተጋገ'ዩ፡ እቲ ሓጽቢ ንዋሕዚ ማይ ኒል ደው ከብሎ'ዩ ዝበሎ'ውን ትኽክል ኣይኮነን ኢሉ።
ንሱ ቀጺሉ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ኹናት ምእዋጅ፡ ኣብ ስልጣን ካብ ዘሎ ሓደ ፕረዚደንት ዝጽበ ኣይኮነን፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኣመሪካ ንዘሎ ዝጸንሐ ምሕዝነትን ስትራተጂያዊ ሽርክነትን'ውን ዝምጥን ኣይኮነን ኢሉ ። ንናይ መንግስታት ርክብ ብዝቕይድ ዓለም-ለኻዊ ሕጊ'ውን ተቐባልነት የብሉን ኢሉ።
ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ልኡላውነታ ንዝፍጸሙ መጥቃዕትታት ተንበርኪኻ ኣይትፈልጥን'ያ ዝበለ ሚንስተር ወጻኢ ኢትዮጵያ፥ ንመጻኢ'ውን ኣይክትንብርከኽን'ያ ኢሉ።
ካብኡ ዝተረፈ፡ ኢትዮጵያ ምስ ግብጽን ሱዳንን ክትገብሮ ዝጸንሐት ስሉሳዊ ልዝብ ንምቕጻል ድልውቲ'ያ ኢሉ።
ብኻልእ ወገን፡ እስራኤልን ሱዳንን፡ ምሕዝነተን ብምሕዳሰን መግለጺ ዘውጻአ ወሃቢ ቓል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፥ ፡ እቲ ስምምዕ ምትሕብባር ኤኮኖሚን ንግድን ዘማዕብል'ዩ ኢሉ።
ኣብ ዞባታት ማእከላይ ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪቃን ሰላምን ዕብየት ኤኮኖሚን ዘምጽኡ ሓዲሽ ዕድላት ክኸፍት'ዩ ዝብል ተስፋ ከምዘለዎ እቲ ዋና ጸሓፊ ምግላጹ'ውን እቲ ካብ ወሃቢ ቓሉ ዝወጸ መግለጺ ሓቢሩ'ሎ።።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
Your browser doesn’t support HTML5