መግለጺ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ንኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታት

  • ተወልደ ወልደገብረኤል

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማይክ ፖምፒዮ

ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማይክ ፖምፒዮ፥ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብ ልዕሊ`ቲ ኣብ ትግራይ ዝርከብ መዓስከራት ሓይልታት ምክልኻል ሃገር መጥቃዕትታት ፈጺሙ ዝብል ሪፖርት ከምዘሻቐሎ ኣፍሊጡ። ማይክ ፖምፒዮ ኣተሓሒዙ ሰላም ናብ ንቡር ንምምላስ ህጹጽ ስጉምቲ ክውሰድን ውጥሪ ክሃድእን ኣተሓሳሲቡ`ሎ።