መግለጺ ኦፌኮ ኣብ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ

ናይ ኦሮሞ ፌደራሊስ ኮንግረስ /ኦፌኮ/ ትማሊ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ‘’ንኹሉ ዝሓቖፈ ናይ ሓባር መንግስቲ ክጣየሽን ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ነፃን ፍትሓውን ምርጫ ክካየድን ኣለዎ’’ክብል ገሊፁ።ኣቦ መንበር እቲ ፓርቲ ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና ‘’ንኹሉ ዝሓቖፈ ሃገራዊ ናይ መረዳድኢ ልዝብ ክካየድ ኣለዎ’’ኢሎም ኣለው።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ቤት ፅሕፈት ብልፅግና ፓርቲ ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ታየ ደንድኣ ኣብ ዝሃቡዎ መልሲ "ኦፌኮ ዘውፅኦ መግለፂ ነቲ ህዝቢ ንምፅራፍ እዩ ዝመስል’’ ኢሎም።

ኣቶ ታየ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቡዎ ርእይቶ ብምውሳኽ ‘"ልዝብ ቅድሚ ሎሚ ይካየድ ነይሩ ሕጂ እውን ክካየድ እዩ። ዳግም ምርጫ ምክያድ ዝበሃል ግን የለን’' ኢሎም ።ብዛዕባ መግለፂ ኦፌኮ ካብ ቦርድ ምርጫ ርእይቶ ንምርካብ ፈተና ይካየድ ምህላው ወኪልና ሓቢሩ'ሎ።