መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ መቐለ ስሩዕ በረራ ክጅምር’ዩ

  • ዜና ቪኦኤ

ዋና ኣካያዲ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያኣቶ መስፍን ጣሰው

ድሕሪ ናይ 18 ኣዋርሕ ምቍራጽ በረራታት፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ጽባሕ ረቡዕ ኣትሒዙ ናብ መቐለ ስሩዕ በረራ ክትጅምር ምዃና ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ ትካል ኣቶ መስፍን ጣሰው ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ካብታ መገዲ ኣየር ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ብዝሒ ካብን ናብን መቐለ ዝህሉ በረራታት ከም ጠለብ ተጓዓዝቲ ዝኸይድ’ዩ።

“ምምላስ ናይ ስሩዕ በረራ፡ ተፈላላዮም ዝነበሩ ስድራቤታት ከራኽብ፡ ንግዳዊ ንጥፈታት ከሳልጥ፡ መሰረታዊ ቀረባት ከመላልስን ንበጻሕቲ መገዲ ክኸፍትን ተስፋ ኣለዎ፡” ክብል ኣቶ መስፍን ጣሰው ተዛሪቡ።

እዚ ዜና ዝኸውን ዘሎ ብወሃቢ ቃል ጕባኤ ተወካሎ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ትማሊ መቐለ ድሕሪ ምብጻሑ’ዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለ፡ ምስ ልኡኽ መንግስቲ ንመቐለ ተጓዒዙ ዝነበረ ኣማኻሪ ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴን ድሕሪ ምምላሶም ብመገዲ ትዊተር ከም ዝጸሓፉዎ፡ እቲ ጉጅለ ድሕሪ ናይ መቐለ ጕዕዞኡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ከም ዝተመያየጠ ኣፍሊጡ። ከም ሓበሬታ ኣምባሳድር ሬድዋን፡ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ንምምላስ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ክልል ትግራይ ክቀላጠፍ መምርሒ ሂቦም ኣለዉ።

ኣምባሳድር ሬድዋን፡ ወሲኾም፡ ብመሰረት ኣቐዲሙ ዝተፈረመ ስምምዓት፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ከበድቲ ኣጽዋራት’ውን ክሳብ ሓሙስ ኣብ ዘሎ እዋን ናይ ምርኽኻብ ስነ-ስርዓት ክጻፈፍ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ምህላዉ ኣመልኪቶም።