መዓቐኒ ርእይቶ ህዝቢ ነታንያሁ ናብ መዝነት ክምለሱ ከምዝኽእሉ ይግምት

  • ዜና ቪኦኤ

ጊዚያዊ ቀዳማይ ሚንስትር እስራኤል ያይር ላፒድ ሎሚ ረቡዕ ንደገፍቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ "ዝተወድአ ነገር የለን’’ ኢሎም።እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብ መጀመሪያ መውፅኢ ርእይቶ ህዝቢ ቤንጃሚን ኔታንያሁ ድሕሪ ናይ ትማሊ ሰሉስ ምርጫ መንግስቲ ክምስርቱ ይኽእሉ እዮም ዝብል ኣመተ ድሕሪ ምውፅኡ እዩ።

ንሶም ክሳብ እታ ናይ መወዳእታ ድምፂ እትቑፅር ዝውዳእ ንገር የለን ፤ክሳብ ናይ መወዳእታ ውፅኢት ዕላዊ ዝኸውን ብትዕግስቲ ክንፅበይ ኢና ኢሎም።

ናይ ኔታንያሁ ሊኩድ ፓርቲ ኣብ ፓርላማ ገለ 31 ወናብር ብምሓዝ ዝዓበየ ቁፅሪ ክምዝጭብጥ ተተንቢዩ ኣሎ።ናይ ላፒድ የሽ ኣቲድ ድማ ካብ 22 ክሳብ 24 ወናብር ከምዝሕዝ ተገሚቱ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚንስትር ነበር ኔታንያሁ ምዕዋቶም ኣይኣወጁን።ንሶም ናይ መወዳእታ ሓቀኛ ውፅኢት ዕላዊ ክሳብ ዝኸውን ክንፅበ ኣለና ኢሎም።እቲ ናይ ትማሊ ሰሉስ ምርጫ ኣብ ውሽጢ ትሕቲ ኣርባዕተ ዓመት ንሓምሻይ ግዜ ይካየድ ኣሎ።

ብብልሽውና ተኸሲሶም ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ ቤንጃሚን ኔታንያሁ ደገፍቶም ግዳይ ስግኣት ዴሞክራሲ ዝኾኑ ተነሓንሕቶምን እዮም ይብሉ።