መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ሕሙማት ናብ ኣባይቶም ምስንባቱ ሮይተርስ ገሊጹ

  • በትረ ስልጣን

መወከሲ ወይ ድማ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር

መወከሲ ወይ ድማ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር፡ ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ሕሙማን ኣብ ገዝኦም ክጸንሑ ምውሳኑ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።


ሰበ-መዚ'ቲ ሆስፒታል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 240 ሕሙማት ናብ ገዝኦም ምስንባቶም ገሊጾም ኣለው ።

ሆስፒታል ዓይደር ዘጓነፎ ጸገም፣ ስለ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዛት ተባሂሉ፣ ባዕላዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ዋላ’ውን እንተተወሰነ፣ ናብ’ቲ ክልል መጠን ዝኣቱ ረድኤት እኽሊ ክሳዕ ክንደይ ትሑት ከምዝኾነ ሓባሪ ኮይኑ ኣሎ።

ስሙ ክዕቀበሉ ዝሓተተ ሓደ በዓል ስልጣን’ቲ ሆስፒታል "ናይ ገዛእ ባዕሎም መግቢ እናዓደጉ ክሕከሙ ዝመረጹ 360 ሕሙማት ኣብ’ቲ ሆስፒታል ሎሚ’ውን ይሕከሙ ኣለው" ይብል።

ገለ ካብ’ቶም ንገዝኦም ዝተሰደዱ ሕሙማት፣ ሕማም ኣንቅጺን ዓባይ ሳዓልን ዝሓዞም፣ ከምኡ'ውን ሓደ ኤችኣይቪ/ኤይድስ ዘለዎ ወዲ 14 ዓመት መንእሰይ ይርከብዎም።

ኣብ ክፍሊ ሕክምና ኣደታትን ቆልዑን ዝሰርሕ ነርስ ቴድሮስ ፍስሃዬ "ሕሙማትን ኣለይቶምን፣ ጥምየት ስለዝኣተዎም ዝሓለፈ ሰሙን ንገዝኦም ክምለሱ ከምዝወሰኑ" ጠቂሱ። ብድሕሪኡ፣ ቴድሮስ፣ ኣብ ክፍልታት እናዞረ "ዝብላዕ መግቢ ስለዘየለ፣ ንገዛኹም ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም ከምዝበሎም" ትካል ዜና ሮይተርስ ገሊጹ።

ሓላፊ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ጨንፈር ቀርኒ ኣፍሪቃ ሚካኤል ዳንፈርድ ብወገኑ "ምቁራጽ ተጻብኦ ካብ ዝትግበር ንደሓር፣ 71 መካይን ናብ ክልል ትግራይ ከምዝኣተዋን፣ ሳልሳይ ዙር ጽዕነት ዝሓዛ መካይን፣ ንክብገሳ ተቀሪበን ከምዘለዋ፣ ምስ ፌደራል መንግስቲ ኣጻፊፍና፣ ምስ ክልላት ንዘራረብ ኣለና" ከምዝበለ ዜና ሮይተርስ ጠቂሱ።

ብዛዕባ’ዚ ዜና’ዚ፣ ካብ ሚኒስትር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶ/ር ሊያ ታደሰን፣ ኮምሽን ሃገራዊ ምክልኻል ሓደጋ ኣቶ ምትኩ ካሳን፣ ግብረ መልሲ ንምርካብ ዝተገብረ ጻዕሪ ኣይሰለጠን።