መአከቢ ሓበሬታ (ብላክ ቦክስ) ዝወደቐት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ፈረንሳ በጺሑ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ካብ አዲስ አበባ ተበጊሳ ናብ ኬንያ ትመርሕ ዝነበረት ቦይንግ 737 ማክስ 8 ዝዓይነታ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ቢሾፍቱ ወዲቓ ብምሕምሻሻ ኩሎም 157 ተሳፈርቲ ምሟቶም ይፍለጥ።ብብላክ ቦክስ ዝፍለጥ መአከቢ ሓበሬታ’ታ ነፋሪት ጠንቂ’ቲ ሓደጋ ንምፍላጥ ሎሚ ሓሙስ ንምርመራ ናብ ሃገረ ፈረንሳ በጺሑ’ሎ።