ኣብ ተአፋፊ ኩነታት ዝርከቡ ስደተኛታት ካብ ሊብያ ክወጹ ይሓቱ

መንግስታትን ዓለምለኸ ትካላትን ነቲ ኣብ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ሊብያ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ብትሪ ይኹንኑ ኣለው። ኣብቲ ገለ ክፋሉ ዝዓነወን ሓያለ ስደተኛታት ዝተቐትልሉን መዳጎኒ ማእከል ዝርከቡ ስደተኛታት “ሞት ኢና ንጽበ ዘለና፡ “ሰብኣዊነት የለን” ዝብሉ ጭርሖታት ብምሓዝ ካብቲ መዳጎኒ ማእከል ክልቐቑን ይሓቱ ኣለው።

ኣብቲ ኣማኢት ኪ.ሜ ርሒቑ ዝርከብ ግን ኸአ ዝከድሉ ዘይብሎም መዳጎኒ ማእከል ኣብ ጎልጎል ዝሓድሩ ስድራቤታት’ውን ኣለው። መብዛሕቶም እዞም ስደተኛታት ካብ ኣብ ሱዳን ዘተኻየደ ምጽናት ዓሌት ዝሃደሙ’ዮም።

ካብቲ ውግእ ዝካየደሉ ክፋል ሊብያ ወጺኦም እንተኾነ ሕጂ’ውን ቁጽሪ ኣብ ጎልጎል ዝሓድሩ ውሑድ ኣይኮነን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

መንግስታትን ዓለምለኸ ትካላትን ነቲ ኣብ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ብትሪ ኾኒኖም