መንግስቲን ተቓወምቲን ሱዳን ስምምዕ ተፈራሪሞም

ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ምስ ቀንዲ ተቓወምቲ ውድባትት’ታ ሃገር ኣብ ከተማ ጁባ ስምምዕ ተፈራሪሙ።

ሱዳን ኣብ ውሽጢ ሸሞንተ ዓመታት ንመጀመርያ ጊዜ ንኹናት ንዝተጎድኣ ከባቢታት’ታ ሃገር ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣትው ብምፍቓዳ ነቲ ኣብ መንጎ ተቓወምቲን መሰጋገሪ መንግስቲን ኣብ ከተማ ጁባ ደው ኢሉ ዝነበረ ልዝብ ክቕጽል ኣኽኢሉ’ሎ ኽብሉ ሓደ አባል ተቓወምቲ ውድብ ሱዳን ንሮይተርስ ሓቢሮም።

Your browser doesn’t support HTML5

መንግስቲን ተቓወምቲን ሱዳን ስምምዕ ተፈራሪሞም

መንግስቲ ሱዳንን ምስ ቀንዲ ተቓወምቲ ውድባት’ታ ሃገር ብዓርቢ ነቲ ዝቐረበ መደብ ዘለዎም ቕሩብነት ብምርግጋጽ ስምምዕ ምፍርራሞም ተገሊጹ’ሎ።

እቲ መደብ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዘሎ ተጻብኦታት ደው ምባል ዘጥቓልል እዩ። ሱዳን ካብ ናይ ኣሜሪካ ዝርዝር ግብረ ሽበራ ዝምውላ ሃገራት ንምውጻእ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላ’ ታ ሃገር ዝረአግጭት ደው ኽብል ዝብል ቕድመ ኹናት ምቕራቡ ይፍለጥ።

ተቓወምቲን መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳንን ኣብታ ሃገር ዝረአ ግጭታት ደው ንምባልን ነታ ሃገር ካብ ናይ ኣሜሪካ ግብረ ሽበራ ዝምውላ ሃገራት ዝርዝር ንምውጻእ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ጁባ ደቡብ ሱዳን ልዝብ ከካይዱ ምጽንሖም ይፍለጥ።