መንግስቲ ክልል ትግራይ 1,568 እሱራት ብይቕሬታ ክፍትሑ ወሲኑ

መንግስቲ ክልል ትግራይ 1,568 እሱራት ብይቕሬታ ክፍትሑ ወሲኑ::

ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን እቲ ክልል እቶም እሱራት ለበዳ ቫይረስ ኮረና ንምክልኻል ተባሂሉ ከምዝተፈትሑ ሓቢሩ:: ሓላፊ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ትግራይ ኣይተ ተኪኡ መተኩ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ትማሊ 07 ነሓሰ 2012 ዓ.ም. ኮማንድ ፖስት ምክልኻል ቫይረስ ኮረና ትግራይ ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ መምርሒ ይቕሬታ ዘማልኡ 1,568 እሱራት ብይቅርታ ክፍትሑ ከምዝተወሰነ ገሊፆም::

ኣይተ ተኪኡ ከምዝሓበርዎ ለበዳ ቫይረስ ኮረና ንምክልኻል ተባሂሉ: ርእሶም ክኢሎም ነቲ ህንፀት ክውድኡ ዘይኽእሉ ምዃኖም ብሰብሞያ ሕክምና ዝተረጋገፀሎም ንኮረና ብቐሊሉ ክቃልዑ ዝኽእሉ ሕዱር ሕማም ዘለዉዎምን ክፍትሑ ምውሳኑ ሓቢሮም ::

ብተወሳኺ ድማ ምስ ዝበደልዎ ኣካል ዕርቂ ዝፈፀሙን ባህርያዊ ለውጢ ዘምፅኡ ተአረምቲ ሕጊ ክፍትሑ ከምዝተወሰነሎም ተሓቢሩ::ኣይተ ተኪኡ ይቕሬታ ዝተገበረሎም እሱራት ንህዝቦም ኣብ ልምዓት ዓዶም ብምስታፍ ክክሕሱ ይግባእ ኢሎም:: ምስ ዝበድልዎም ሰባት ዕርቂ ዘይፈፀሙን ብኣገዲድኻ ምድፋር ዝተኣሰሩን ግን ኣብቲ ይቕሬታ ኣይተኻተቱን::

እቶም እሱራት ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ተፈቲሖም ናብ ስድርኦም ክሕወሱ ምኻኖም ተሓቢሩ ኣሎ:: ቅድሚ ሐዚ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ኣብ ክልል ትግራይ ለበዳ ቫይረስ ኮረና ንምክልኻል ብዝብል ን1,601 ተአረምቲ ሕጊ ብይቕሬታ ክፍትሑ ተገይሩ ነይሩ::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

Your browser doesn’t support HTML5

መንግስቲ ክልል ትግራይ 1,568 እሱራት ብይቕሬታ ክፍትሑ ወሲኑ