መንግስቲ ኤርትራ ፕረ. ጆ ባይደን ንዘሕለፎ ናይ እገዳ ውሳነ ብትሪ ተቓዊምዎ

ኣስመራ- ኤርትራ

ኣስመራ- ኤርትራ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ኣብ ልዕሊ ውሱናት ሰባት መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን እገዳ ክግበር ንዘሕለፎ ውሳነ መንግስቲ ኤርትራ ቀዳም 18 መስከረም ምሸት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ብትሪ ተቓዊምዎ።

"መንግስቲ ኣመሪካ ነቲ ብቅሉዕ ወራር ዝፈጸመን ኣብ ክልል ትግራይ ንቆልዓ ሰበይቲ ጅሆ ሒዙ ናብ ደልሃመት ዝሸመመ ህወሓት ኣብ ክንዲ ምኹናን ፡ንዑ ንምድሓን ዝኽተሎ ዘሎ ኣካይዳ ‘ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ ዘይፍትሓዊ ተግባር ‘ዩ" ክብል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መግለጺኡ ኮኒንዎ’ሎ።

"እቲ ብኣመሪካን ሰብ ኪዳና ሃገራት ኣውሮጳን ዝሓልፉ ውሳነታትን ዝውሰዱ ስጉምትታትን ናይ ሃገራትን ህዝብታትን ናጻነትን ሉኣውነትን ዝግህስን ብጸቕጢን ጠቐነን ዝተመርኮሱ ብምዃኖም ብርትዕን ሕግን ቅቡል ኣይኮኑን’ ክብል መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ውሳነ ብትሪ ነጺግዎ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

Your browser doesn’t support HTML5

መንግስቲ ኤርትራ ፕረ. ጆ ባይደን ንዘሕለፎ ናይ እገዳ ውሳነ ብትሪ ተቓዊምዎ