አዲስ አበባ —
ህውሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል መጥቓዕቲ ምፍጻሙ ምእማኑ ንወስዶ ዘለና ሕጊ ናይ ምኽባይ ስጉምቲ ምክንያታዊነቱ ዘረጋግጽ’ዩ ክብል ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን ህውሓት ገበን ክህደት ሃገር ፈጺሙ’ዩ ዝኾነ ዓይነት ልዝብ’ውን ኣይክህልውን ኢሎም።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ደመቀ መኮነን’ውን ኣብ ሃገራት’ቲ ከባቢ ነዚ ንምርዳእ ዝዓለመ ዑደት ይገብሩ ኣለው ኢሎም።
ሓድሽ ዝተመዘዙ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደመቀ መኮነን መንግስቲ’ታ ሃገር ቀዳምነት ንምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ከምዝህብን ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታት ውሽጢን ወጻኢን ምሉእ ሓላፍነት ክወስድ’ዩ ኢሎም።
Your browser doesn’t support HTML5