መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምንቅስቃስ ኣብ ክልል ትግራይ ክሰርሑ ዝጸንሑ ሰለስተ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ምእጋዱ ኣፍሊጡ

መሳርሒ ሕክምና ዝጸዓና መካይን ሓገዝ ወሃቢ ትካል ሓካይም ብዘይዶብ ኣብ ክልል ትግራይ- ፋይል

ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰለስተ ዓለምለኸ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ንሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ኢትዮጵያ ከይንቀሳቐሱ ምእጋዱ ኣፍሊጡ።ንሽዱሽተ መዓልታት ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ከካይዱ ዝቐነዩ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ጉዳያትን ህፁፅ ረድኤትን ማርቲን ግሪፊንስ ንሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ብኣድላዊነት ምኽሳስ ሓደገኛ እዩ ኢሎም ኣለው።

ትማሊ ጋዜጣዊ መግለፂ ዝሃቡ ማርቲን ግሪፊንስ ንህወሓት የዳልው እዮም ዝብል ክሲ ሓደገኛ እዩ ክብሉ ገሊፆም ኣለው።

ዝተኣገዳ ትካላት ሓካይም ብዘይዶብ ሆላንድ፣ኖርወጃን ረፊጅ ካውንስልን ኣል ማክቱም ፋውንዴሽንን ዝተባህላ ናይ ወፃኢ ትካላት ምዃነን ተፈሊጡ ኣሎ።

እተን ትካላት ካብ ዝተከሰሳሉ ተግባራት ናይ ሓሶት መረዳእታ ብማሕበራዊ ሚዲያን ካልኦት ሜላታትን ምዝርጋሕ፣ፍቓድ ዘይተወሃቦም ናይ ወፃኢ ዜጋታት ናብ ሃገር ብምእታው ንልዕሊ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ቆፂሮም ምስራሕ፣ፍቓድ ዘይተውሃቦም ናይ ሬድዮ መራኸቢ ናብ ውሽጢ ሃገር ምእታውን ዝብሉ ይርከቡዎም።

ብኻልእ ወገን ድማ ትማሊ 27 ሓምለ ሰብኣዊ ረድኤት ዝፀዓና 157 መካይን መቐለ ምእታወን ተፈሊጡ ኣሎ።