መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዘጋጠሙ ጸገማት ምስ ሕ/ኣፍሪቃ ኮይኑ ንምፍታሕ ቅሩብ ምዃኑ ገሊጹ

  • በትረ ስልጣን

ኣኼባ ሚኒስትራት ወጻኢ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ንዘጋጠሙ ጸገማት ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኑ ንምፍታሕ ቅሩብ ከምዝኾነ ምክትል ቀ/ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያን ኣቶ ደመቀ መኮንን ከምዝገለጹ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ’ታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣቶ ደመቀ ሎሚ ኣብ ኣኼባ ሚኒስትራት ወጻኢ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ’ዮም ነዚ ዝተባሃለ ገሊጾም።

ምክትል ቀ/ሚ ደመቀ መኮንን ‘ኣብ ዕጹው ኣኼባ’ ከምዝተዛረቡ’ውን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝሃቦ ሓበሬታ ጠቂሱ።