አዲስ አበባ —
መንግስቲ ኢትዮጵያ ላዕለዎት ወትሃደራዊን ፖለቲካዊን መራሕቲ ህወሓት፣ ኢዶም ንክህቡ ናይ መወዳእታ ንዝበሎ መጸዋዕታ ምትሕልላፉ ተገሊጹ። ናይ ቤት ፍርዲ መትሐዚ ትእዛዝ ንዘይወጸሎም ተወለድቲ ትግራይ ግና፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ናብ ሰላማዊ መነባብረኦምን ናብ መንበሪኦምን ንክምለሱ ጻውዒት ኣቅሪቡ።
ብመሰረት’ዚ መጸዋዕታ፣ እቶም ናብ መንበሪኦም ዝምለሱ ሰላማዊያን ሰባት፣ ብሕጊ ከይተሓተቱ ሰላማዊ መነባብረኦም ክመርሑ ይኽእሉ እዮም ይብል።
እቲ ብቤት ጽሕፈት ቀ/ሚ ዝተዘርገሐ መጸዋዕታ ወሲኹ ከቢድ ገበን ኣለዎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩን ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ዝወጸሎም ላዕለዎት ፖለቲካዊን ወትሃደራዊን መራሕቲን ግና ኢዶም ንክህቡ መንግስቲ ጸዊዑ ይብል።